ሊብያ፥ ኣሰጋገርቲ ሰባት ንስደተኛታት ብሂወቶም እንከለው ይቐብሩ

ኣብ ሊብያ ዝነጥፉ ኣሰጋገርቲ ደቅ-ሰብ ረብሓታቶም ንምሕላውን ዝውጥንዎም ጉዕዞታት ባሕሪ ከይሰናኸሎምን ካብ ዝብል፡ ብምኽንያት መቚሰልቲን ሕማምን ናብ ጀላቡ ክሰቀሉን ጉዕዞ ባሕሪ ክብድሁን ኣይክእሉን’ዮም ንዝብልዎም ስደተኛታት ንገሊኦም ክቐትልዎም ንገሊኦም’ውን ብሂወቶም እንከለዉ ክቐብርዎም ይረኣዩ ከምዘለው ኣህጉራዊ ወድብ ስደተኛታት ማለት IOM ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ኣህጉራዊ ኣካል፥ ባሕሪ ክሰግሩ ዝጽበዩ ስደተኛታት ንዝሓመሙን ዝቖሶሉን ብጾቶም ክቐትሉን ብሂወት ክቐብሩን ብኣሰጋገርቲ ይግደዱ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዝሓመሙን ኣካላዊ መቚሰልቲ ዝገጠሞምን ስደተኛታት በቶም ኣሰጋገርቲ ከም ጸገምን ኣብ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ድማ ከም ዕንቕፋት ከምዝረኣዩ እዩ ወሃቢ-ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ፍላቮ ዲ ጊያኮሞ ዝሕብር።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ገለ ስደተኛታት ብትእዛዝ ኣሰጋገርቶም ንዝሓመሙን ዝተጎድኡን መጓዕዝቶም ብሂወት እንከለው ይቐብሩዎም ምህላዎም ዘመስክሩ ሓበሬታት ከምዝበጽሖም’ውን እቲ ወሃቢ-ቃል ገሊጹ ኣሎ።

“ኣሰጋገርቲ ክሳዕ ክንደይ ጨካናት ኮይኖም ኣለው ዘስደምም እዩ። ንሶም ብዛዕባ ኣታዊታቶም እምበር ብዛዕባ ሂወት ስደተኛታት ዘገድሶም ኣይኮነን። ሓደ ስደተኛት ንስራሖም ኣስጋኢ ኮይኑ እንተረኺበምዎ ክቐትልዎ ጥራይ እዮም ዝመርጹ። ብፍላይ ክሳፈሩላ ዝተሓበረቶም ጃልባ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ጽዒና ኣላ ወይድ ድማ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ኣሎ ብምባል፡ ከምኡ’ውን ጉዕዞ ባሕሪ ኣፍሪሑዎም ምስ ኣሰጋገርቶም ዝማጎቱን ናብ ጃልባ ክስቐሉ ዝኣብዩን ስደተኛታት ከም ጸገም እዮም ዝረኣዩ። ስለዝኾነ’ዩ ድማ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ገማግማት ሊብያ ብተዂሲ ብረት ዝቕተሉ ዘለዉ፡” ይብል እቲ ወሃቢ-ቃል።

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ክሳዕ ጉዕዞ ባሕሪ ዝጅምሩሉ ዘለዋ ኣዋርሕ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲን ዕጡቓት ጉጅለታት ቀጻሊ በደል ስለዝገጥሞም፥ ባሕሪ ዝሰግሩሉ እዋን ምስ ኣኸለ ገለ ብሕማም ገለ ብመጒዳእቲ ተሰኒፎም ከምዝጸንሑ እዩ ዝንገር።

“ሊብያ እንከለና ብጻየን ብጽኑዕ ሓሚሙ። ሓሚሙ’ዩ እምበር ኣይሞተን። እቶም ኣሰጋገርቲ ግና ንጉዕዞ ባሕሪ ኣይምክቶን እዩ ኢሎም ምስ ትንፋሱ እንከሎ ክቐብርዎ ርእየ። ካብ’ቲ ዝቕበረሉ ዝነበረ ቦታ ብኣውያት ስመይ ክጽውዕ ሰሚዐ። ናብቲ ቦታ ኣብ ዝቐረብኩሉ ድማ እቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ልዕሊ ዝቕበር ዘሎ ብጻየይ ጎሓፍ ነገር ክስንድዉ ርእየ። ንብጻየይ ከድሕን እኳ እንተተጓየዂ ፣ እቶም ኣሰጋገርቲ ብኻራ ስለዝጎዱኡኒ ኣይሰለጠንን፡” ይብል ዑስማኒ ዝተባህለ ጋምቢያዊ ስደተኛ ንኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፥ ብመንገዲ ሊብያ ዘብሉ ኣማኢት ስደተኛታት ብቐጻሊ ግዳያት ግዱድ ስራሕን ጾታዊ ምዝመዛን ኮይኖም ከይኣክል ኣብ ቃልዕ ዕዳጋታት ከም ባራዩ ይሽየጡ ከምዘለው ይሕብር።