ግሪኽ፡ ምጽራይ ዘይወግዓዊ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ኣቴንስ

LOUISA GOULIAMAKI/AFP/Getty

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ፡ ሓይልታት ጸጥታ ግሪኽ ኣብ ከተማ ኣተንስ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ናይ ዝኣረገ መዓርፎ ነፈርቲ ክነብሩ ዝጸንሑ ኣማኢት ስደተኛታት ከምዘልቀቚ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣሶሼትድ ፕረስ፡ ልዑል ቊጽሪ ሓይልታት ጸጥታ ከተማ ኣተንስ ናብቲ ዘይወግዓዊ መዓስከር ስደተኛታት ዘእትውን ዘውጽኡን መስመራት  ኣብ ዝዓገተሉ፣ ኣብቲ ህንጻ ሰፊሮም ዝጸንሑ ስደተኛታት ትሕዞኦም ጠርኒፎም ናብ ኣውቶቡሳት ከምዝሳፈሩ ተገይሩ ናብ ካልኦት መዓስከራት ከምዝተወስዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ወሃቢ-ቃል ፖሊስ ከተማ ኣቴንስ ከምዝሓበሮ’ዉን፡ ኣብቲ ናይ ምልቃቕ መስርሕ ዝኾነ ጎነጽ ከምዘየጋጠመ እዩ።

ኣካል ትሕተ-ቅርጺ ናይቲ ስራሑ ኣብ 2001 ደው ዝበለ መዓርፎ ነፈርቲ ዝኾነ ህንጻ፡ካብ ዝሓለፈ ዓመት መብዛሕትኦም ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ዝኾኑ ክሳዕ 3,000 ስደተኛታት ኣስፊሩ ምንባሩ ዘመልከቱ ጸብጻባት፥ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ዝተኻየዱ ቀጸልቲ ስርሒታት ናብ ካልኦት መዓስከራት ክግዕዙ እንከለው፡ ውሑዳት ካልኦት ኣብ’ቲ ከባቢ ቴንዳታት ተኺሎም ክነብሩ ምጽናሖም የረድኡ።

ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ’ቲ ህንጻ ተሰሪቱ ዘሎ ዘይወግዓዊ መዓስከር  ዘይምቹእን ንስደተኛታት ኣብ ዝተናውሐ እዋን ዘይቃዶን ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ግሪኽ ነቲ ጉዳይ መሰረታዊ ፍታሕ ከናዲየሉ እዮም ክጽውዑ ጸኒሖም።

ሰብ-መዚ ጸጥታ ግሪኽ ኣብቲ ህንጻ ክሰፍሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት ብወለንታኦም ክለቊን፡ ናብ መዓከራት ስደተኛታት ክግዕዙ ፍቓደኛታት ክኾኑን ከተሓሳስቡ ከምዝጸንሑ’ዩ ዝግለጽ። ካብቶም ስደተኛታት እቶም 90 ሚእታዊት ክግዕዙ ድሌት ከምዘለዎም ከነጽሩ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ግና ሓንጊዶም ምንባሮም እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ግሪኽ፡ ካብቶም ካብቲ ህንጻ ለቒቖም ዘለው ስደተኛታት፡ ስድራቤታት ዝኾና ናብ’ቲ ካብ ከተማ ኣቴንስ 70 ኪሎሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ካብ እትርከብ ከተማ ቴብስ ውጽእ ኢሉ ዘሎ መዓስከር ስደተኛታት ክግዕዙ ከምዝኾኑ ፥ እቶም ንውልቆም ዝኾኑ ስደተኛታት ድማ ኣብ ከተማ ኣቴንስ ንዝርከብ ንወጻእተኛታት ዝከታተል ክፍሊ ፖሊስ ተወሲዶም ኩነታቶም ይጻረ ከምዘሎ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ድሕሪ’ቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ግሪኽን ኪንዮኡን ንምግታእ ኣብ ሞንጎ ቱርኪን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝተኸተመ ውዕል፥ ከምኡ’ውን ሃገራት ባልካን ዶባተን ድሕሪ ምዕጻወን፡ ኣብ ግሪኽ ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ተዓጊቶም ከምዘለዉ እዩ ዝሕበር።