ካብ ኤውሮጳ ናብ ኣሰጋገርቲ ደቅ-ሰብ ኣብ ሊብያ ዝበጽሕ ንብረት ክዕገት

ካብ ኤውሮጳ ብመልክዕ ሰደድ ወጺኦም ኣሰጋገርቲ ደቅ-ሰብ ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታቶም ዝጥቀሙሎም ከም ናይ ፕላስቲክ ጃላቡ፡ ሞተረታትን ካልኦት ጥረነገራትን ናብ ኢድ እቶም ገበነኛታት ንኸይበጽሕ ክስራሕ ምዃኑ ኤውሮጳዊ ሕብረት ይገልጽ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን መርበባቶምን ካብቲ ብዋጋ ሂወት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘኻዕብትዎ ዘለዉ ልዑል መጠን ገንዘብ ንምኹላፍ፡ ነዚ ሓድሽ መደብ ተሰሪዕ ከምዘሎ እዩ።

እዚ ናብ ኣሰጋገርቲ ዝበጽሑ ቀረባት ናይ ምዃላፍ ሓሳብ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ማልታ ዝነቐለ ከምዝኾነ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

“ካብ ኤውሮጳ ብመልክዕ ሰደድ ናይ ሊብያ ዘምርሑ ጥረነገራት ብቐሊሉ ናብ ኢድ ጉጅለታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ እዮም ዝበጽሑ ዘለዉ። እዚ ነቒሉ ዘሎ ሓድሽ ሓሳብ ድማ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ ሊብያ ዝስደዱ ጥረነገራት ዕቱብ ምቊጽጻርን ቀይድን ክገብሩ ዝጠልብ እዩ፡” ይብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማልታ ጆርጅ ቪላ።

ሰብ-መዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብ ሊብያ ዝስደዱ’ሞ ናብ ረብሓ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ክውዕሉ’ዮም ዝብል ባይታኣዊ ምኽኒት ዝርከበሎም ጥረነገራት ቀጥታዊ ቊጽጽር ከማሕድሩ ዘኽእሎም ሓይሊ ክህልዎም ዘፍቅድ ስጒምትታት ክተኣታቶ ይድለ ምጽንሑ እዩ ዝንገር። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብ ካልእ መዓላ ከይውዕሉ ዘሰክፉን ብመልክዕ ሰደድ ናብ ሊብያ ዘምርሑን ጥረነገራት ምሉእ ብምሉእ ክዓግቱ ኣይከኣሉን ዘለው።

ነዚ ተኣሚሙ ዘሎ ሓድሽ ስጒምቲ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ሃሳብን ከምእተዋህቦ ዝገለጸ ሚኒስተር ቪላ፡ መሰረታዊ ዕላማ እቲ ሓሳብ ሕጋዊ ንግዲ ብኣሉታ ከይሃሰኻን ብመልክዕ ሕጋዊ ንግዲ ዝስዕቡ ጸገማት ንምግታእ ዝህሉው ምምሕዳራውያን ሰኸማት በዲህካን፡ ናብ ሊብያ ዘምርሕ ሰድድ ብዕቱብ ንምቊጽጻር ከምዝኸነ ጠቒሱ፡ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ’ቲ ሓሳብ ክረዳድኣ ዘለዎ እምነት ኣነጺሩ።

መንግስታውያን ጸብጻባት ኤውሮጳ ይሕብርዎ ከምዘለዉ እውን፡ ኣባላት ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብቲ ሓሳብ እወታዊ ኣረኣእያ ከምዘለወንን፡ ውሳኔ እቲ ሕብረት ኣብ ቀረባ እዋን ክፍለጥ ከምዝኾነን እዩ።