ንግዳያቱ ዘሳቒ ዝነበረ ሶማላዊ ኣሰጋጋሪኣብ ኢጣልያ ተታሒዙ
ስደተኛታት ብሕሱም ኣገባብ ዘሳቒ ዝነበረ ሶማላዊ ኣሰጋጋሪ ኣብ ደቡብ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ደሴት ላምፔዱሳ ተታሒዙ።
ኣብታ ደሴት ዝርከቡ ፖሊስ እቲ ወዲ 23 ዓመት ተኸሳሲ መሓመድ ኣሕመድ ጣህር ስደተኛታት ካብ ምስቓይ ዕግበት ይረክብ ከምዝነበረ ይሕብሩ። ኢጥላያ ዝበጽሑ ስደተኛታት ንመሓመድ ጣህር ኣብ ሓደ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ሊብያ ኣብ ኩፍራ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዮሞ።
ካብ መጋቢት ክሳዕ ሕጂ፡ ኣብታ ኣብ ማእከል ኲናት ሓድሕድ ኣሰጋገርትን ሸየጥቲ ሰብን ጨካን ንግዲ ደቅሰብ ዘካይዱላ ሊብያ ሰባት ብምስቓይ ኣብ ኢጣልያ ካብ ዝተታሕዙ ጣህር ሻድሻይ ብኸምዚ ጉዳይ ዝእሰር ዘሎ ሰብ እዩ።
“ላምፔዱሳ እትው ምስበለ ነቶም ዘለልይዎ ስደተኛታት ኣፎም ክሕዙ ምእንቲ እኳ እንተኣፈራርሆም፡ ንሳቶም ግና ተቢዖም ንፖሊስ ሓቢሮም፡” ይብል ጆቫኒ ሚናርዲ ዝተባህለ ነቲ ገበነኛ ንምእሳር ዝተኻየደ መርመራ ዝመርሐ ኣባል ፖሊስ።
ብመሰረት ሚናርዲ እቲ ዝተኣስረ ኣሰጋጋሪ ክፋል ናይ ሓደ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝዝርጋሕ ሰባት ኣብ ምሻጥ፡ ምስግጋር፡ ጾታዊ ዓመት፡ ቅትለትን ዘይሕጋዊ ስደት ምስላጥን ዝነጥፍ ውዳበ እዩ ኔሩ። ዝተመስረተሉ ኽስታት ንስደተኛታት ብበትሪ ፕላስቲክ ምቕጥቃጥ፡ ብነዳዲ ቈርበቶም ምሕራርን ብቐታሊ ብረት ምፍርራሕን ይርከቦ።
“ስደተኛታት እዩ ዝቕጥቅጥ ኔሩ። ከሕፍረና ኸሎን ሓይሉ ኸርእየና ኸሎን ኣዝዩ የደስቶ ኔሩ። ሓደ እዋን እዝከረኒ እቲ ሊብያዊ ዋና ናይቲ መዳጐኒ፡ ሰባት ብምቕጥቃጥ ክሞቱ ስለዝርኣየ ከቋርጽ ክእዝዞ ኔርዎ፡” ይብል ሓደ ኻብቶም ግዳያት።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ