ሚኒስተራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዋሕዚ ስደተኛታት ዝቕንሰሉ መገዲ የናድዩ

ሚንስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤስቶንያ ተራኺቦም ካብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ናይ ዘምርሑ ስደተኛታት ዋሕዚ ዝዕገተሉ መገዲ ንምርካብ ተዘራሪቦም።

እቶም ሚኒስተራት ሓለዋ ገማግም ባሕን ዓቕሚ ምድሓን ህይወትን ሊብያ ዝሕይለሉ መገድን ምውሓስ ደቡባዊ ዶባት ሊብያን ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ተዘራሪቦም።

ኣቐዲሙ በቶም ሚኒስተራት ዝወጸ ነተን ስደተኛታት ዝብገሱለን ተመለስቲ ዜጋታተን ምቕባል ዝኣበያ ሃገራት ናይ ቪዛ ማዕቀባት ክገብሩለን ዘቕረብዎ ሓሳብ ተነጺጉ እዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማርኮ ሚኒቲ ዘይመንግስታውያን ትካላት ምድሓን ህይወት ምስ መንግስቲ ሊብያ ብምትሕብባር ክሰርሓ ኸምዝግብአን ኣዘኻኺሩ።

“እዚ ሲቪላዊ ስራሕ ስለዝዀነ ማዕረ እቲ ኣብ ጉዳይ ዝውሰድ ስጕምትታትን ኣንጻር ኣስገርቲ ኣግበር መርመራን ምስ ፍርዳዊ ኣካላትን ምስ ፖሊስን ዝግበር ምውህሃድ ክስራዕ ይግብኦ፡” ኢሉ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉድያት ኣንድረያ ኣንቨልት፡ ኣህጉራዊ ዑቕባ ዘይምልከቶም ስደተኛታት ብቕልጡፍን ጽፉፍን ኣገባብ ናብ ሃገራቶም ዝምለሱሉ መገዲ ክረጋገጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። “ሕጋዊ ስደት ይክኣል እዩ። ዘይሕጋዊ ስደትን ቁጠባዊ ስደትን ግን ከቋር ኣለዎ፡” ድማ ይብል።

እቶም ሚኒስተራት ንሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኸሐይሉ፡ ምጥራዝ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽጎም ስደተኛታት ክውስኽ ከምኡውን ነቲ ሰባት ስራሕ ከናድዩ ናብ ኤውሮጳ ከምዝደዱ ዝገብር ዘሎ ድኽነት ንምፍዃስ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ልምዓታዊ መደባት ምምዋል ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ተሰማሚዖም።

ኣብ ካልእ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ ንኒጀር፡ ጫድን ሱዳንን ዶባተን ብዝሓሸ ኽቈጻጸራ ዘኽእለን 10 ሚልዮን ዩሮ፡ ካልእ 18 ሚልዮን ዩሮ ኸኣ ካብ ሊብያ ብፍቓዶም ናብ ሃገራቶም ንዝምለሱ ስደተኛታት መሳለጢ ክኸውን ተወዲቡ ኸምዘሎ ገሊጹ።

“ስደተኛታት ሊብያ ኸይበጽሑ ኽንዓግቶም ኣለና። ነዚ ንምግባር ድማ ነተን ካብ ዶባት ሊብያ ንደቡብ ርሒቐን ዝርከባ ሃገራት ክንሕግዘን ኣለና፡” ይብል ኣልፋኖ።