ኤውሮጳዊ ሕብረት ዋሕዚ ስደት ዝመሓደረሉ ውጥን ንኢጣልያ ኣቕሪቡላ
ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ንኢጣልያ ነቶም ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ብብዝሒ ኣብ ገማግም ባሕራ ዝበጽሑ ስደተኛታት ከተጻሪ ዝሕግዛ 35 ሚልዮን ዩሮ ተመባጺዑላ።
ብተወሳኺ ንስርዓት ምድላው ዑቕባ እታ ሃገር ንምጽፋፍ ዝሕግዝ ናይ ስራሕ ውጥን ተገሊጹ። እዚ ሓድሽ ሜላ ነቶም ዝበዝሐ ቑጽሪ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዝበጽሑ ዝሽፍኑ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ምምላስ ከቀላጥፍ ተስፋ ይግበረሉ። ኢጣልያ ንሓተቲ ዑቕባ እትውስኖ ናይ ምድጓን ግዜ ክውስኽ ዝብል ሓሳብውን ኣሎ።
ብተወሳኺ ኮሚሽን ኤውሮጳ ንኢጣልያ ንመደብ ናይቲ ስደተኛታት ብፍቓዶም ሓገዝ እናተገብረሎም፡ ብምትሕብባር ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ዝምለሱሉ መደብ ብዝበለጸ ኽትጥቀመሉ ኣተባቢዑ።
እቲ ውጥን ስራሕ ስደተኛታት ነቲ ናብ ኢጣልያ ንምብጻሕ ዝብገስዎ ሓደገኛ ጉዕዞ ንምዕጋት፡ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንምስልጣንን ንምዕጣቕን ወፍሪ ኽግበር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ኤውሮጳ ዘውጽኦ ውጥን ስራሕ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝነጥፋ ህይወት ዘድሕና ማሕበራትን ዝያዳ ስርርዕ ክህሉን፡ ቱኒዝያ፡ ግብጽን ኣልጄርያን ነቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝግበር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከብ ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ስደት ንምዕጋት ዝግበር ጻዕሪ ኽሕወስኦ ይጽውዕ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ