ሊብያዊ ጉጅለ ዕጡቓት ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኸይብገሱ ይዓግት ኣሎ

ብሓደ “ኣቐዲሙ መራሒ ማፍያ ዝነበረ” ዝምራሕ ዘይወግዓዊ ጉጅለ ዕጡቓት ካብ ሊብያዊት ከተማ ሳብራታ ናብ ኤውሮፓ ዝብገሱ ስደተኛታት ይዓግት ኣሎ።
ኣብታ ካብ ትሪፖሊ ንምዕራብ 70 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ሳብራታ ዝርከቡ ምንጭታት፥ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዀይኑ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኽይብገሱ ይዓግት ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት፥ እቲ ጉጅለ ብኣማኢት በርጌስ፡ ወተሃደራት ፖሊስን ፍሉጣት ኣባላት ሰራዊትን ዝቘመ ዀይኑ፡ ብሓደ ኣቐዲሙ መራሒ ማፍያ ዝነበረ ዝተበገሰ ወፈራ ሓያል ዘመተ የካይድ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ንዝተመልሱን ካብ ኣስገርቲ ዝተመንጠሉን ስደተኛታት ዝዳጕነሉ ማእከል ከምዘለዎውን ይንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብመኽንያት ርጉእ ኩነታት ባሕሪ፡ ሓምለን ነሓሰን ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝጕዓዛ ጃላቡ ኣዝየን ዝበዝሓሉ ኣዋርሕ እዩ ኔሩ። እንተዀነ ግና፡ ምስ ናይ 2016 ተመሳስሊ እዋን ክወዳደር ከሎ ብዝሒ ሎምዘበን ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብልዕሊ ፍርቂ ጐዲሉ። ኣብ ነሓሰ ድማ ቁጽሪ እቶም ኢጣልያ ዝበጽሑ መሊሱ የንቈልቍል ኣሎ።

“ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ባሕሪ ከም ቀላይ እዩ ዀይኑ ረጊኡ ኔሩ፡ እንተዀነ ግን ሒደት ጃላቡ ጥራይ እየን ኔረ፡” ይብል ሓደ ኻብ መስረትቲ ማእከል ረድኤት ስደትኛታት ኣብ ባሕሪ ( ኤም ኦ ኤ ኤስ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሕበር ገበርቲ ሰናይ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ዝዀነ ፍላቭዮ ዲ ጃኮሞ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነብረ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት፥ ኣብ ሳብራታ ዝነበረ ኹነታት ከምዝተቐየረ እዮም ገሊጾም።

ዲ ጃኮሞ፡ “ካብ ሳብራታ ምብጋስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጃላቡ ኸይብገሳ ዝኽልክሉ ሰባት ኣለዉ። እንተተበጊሰን ድማ ብኡንብኡ እየን ዝምለሳ፡” ብምባል፡ ገለ ስደተኛታትውን ሳብራታ ኸይበሑ ኸምዝኽለከሉ ይገልጽ።