መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ስደት ንምቅላስ ሓድሽ ውጥን የውጽኡ
ዋዕላ ስደት ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኒጀርን ጫድን ኣብ ዝድኰን መጽለሊታት ኰይኖም ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ኽወሃቦም ዝሓቱ ስደተኛታት ክቕበሉ ምዃኖም ገሊጾም።
ነቲ ኣኼባ ዘአንገደ ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማንዌል ማክሮን፡ መራሕቲ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ስጳኛ፡ ኒጀር፡ ጫድን ሊብያን ዝተሳተፍዎ እዩ። እቶም ኤውሮጳውያን መራሕቲ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝውሕዝ ብዝሒ ስደተኛታት ንምቕናስ ንጫድን ኒጀርን ኣብ ምቍጽጻር ዶባት ክተሓባበርወን ቃል ኣትዮም።
እቶም መራሕቲ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ መራሕቲ እተን ሾብዓተ ሃገራት፡ ምስ መበቆል ስደተኛታት ዝዀና ሃገራት ዝግበር ምትሕግጋዝ ንምሕያል ሓቢሮም ብምስራሕ ንመሰረታውያን ጠንቅታት ስደት ክድህስሱ፡ ምብጋስ ስደተኛታት ክዓግቱን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ዝምለሱሉ ተኽእሎ ኸመሓይሹ፡ ከምኡ ድማ እቲ ዘሎ ንስደት ዝምልከት ስምምዓት ብዝበለጸ ዝሰርሓሉ መገድታት ከናድዩ ኸምዝተሰማምዑ ገሊጾም።
ማክሮን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እቶም ዑቕባ ኽወሃቡ መሰል ዘለዎም”፥ ብኣላይነት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደትኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ኣብ ኒጀር፡ ጫድን ሊብያን ተለልዮም፡ ኣብ ኒጀርን ጫድን ውሑስ ኣብ ዝተባህለ ዞባታት ብቕልጡፍ ክውሰዱ ኸምዝደሊ ገሊጹ።
ማክሮን፡ “እቲ ማእከላት ኣንስትን ሰብኡትን ኣብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ኸባቢታትን ኣብ ማእከላይ ባሕርን ልቦና ዝጐደሎ ሰንካም ጉዕዞታት ክጕዓዙ ኻብ ምውሳን ከድሕኖም ይኽእል እዩ፡” ኢሉ።
እቶም መራሕቲ ነቲ ነቲ እማመ ኣብ ኸውን ውጥን ክኽትሙ ኸለዉ፡ ኣብ ግብሪ ብከመይ ክሰርሕ ምዃኑ ግን ብዙሕ ዝርዝር የሎን። ኣብቲ ድሕር እቲ ዋዕላ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኒጀርን ጫድን ናይ ስራሕ ልኡኽ ክስደድ ምዃኑ ሓቢሮም።
እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ንድኽነት ምቅላሱ ማእከላይ ክፋል ዝዀነ ይኹን ንዘይስሩዕ ስደት ንምግጣም ዝውሰድ ሜላ ክኸውን ከምዝግብኦ ኣመልኪቶም።
ፕረሲደንት ጫድ እድሪስ ደቢ፥ “ኩላትና ነቲ ጉድኣት፡ ንሞት ኣፍሪቃውያን ኣብ ምድረበዳ፡ ንሞት ኣፍሪቃውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ንምቕናስ ድሉዋት ኢና፡” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ኩሉ ሳዕ እቲ መሰረታዊ ግድል ጉዳይ ልምዓት እዩ። ጸጋታት የድልየና እዩ፡” ኢሉ።
ኣብ ሮማ ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ዝራኸቡ ዝነበሩ ሚኒስተራት ውሽታዊ ጉዳያት ሊብያ፡ ጫድ፡ ኒጀርን ማሊን፡ እቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ዋዕላ “መፈለምታ ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝፍጠር ሓድሽ ዝምድና ክኸውን ይኽእል እዩ፡” ኢሎም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ