ፖሊስ ስጳኛ ጉጅለ ኣሰጋገርቲ ሰባት ሒዞም
ፖሊስ ስጳኛ ፈጣናት ተንሳፈፍቲ ተጠቒሞም ካብ ሞሮኮ ብመጻብቦ ጀበል ጣሪቕ ዘሕልፉ ዝነበሩ ኣስገርቲ ሒዞም።
እቶም ኣስገርቲ ካብ ገማግም ሞሮኮ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡባዊ ስጳኛ ናብ ኣውራጃታት ማላጋን ካዲዝን እዮም ነቶም ስደተኛታት ዘብጽሕዎም ኔሮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ እቶም ስደተኛታት ክሳብ 5,000 ዩሮ ከፊሎም እዮም በተን ኣይ ዝጭንጉዓ ፈጣናት ተንሳፈፍቲ ነቲ መጻብቦ ጀበል ጣሪቕ ዝስንጥቕ ናይ 10 ደቒቕ ጉዕዞ ዝሰግርዎ።
እቶም ስደተኛታት ስጳኛ ምስበጽሑ፡ ቤተሰቦም እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ናብ ኣስጋሪ ከምዝሰደድዎ ክሳዕ ዝረጋገጽ፡ ኣብታ ደቡባዊት ከተማ ኣልሄሲራስ ኣብ ዝርከብ መጽንሒ ንሓያሎ ሰዓታት ይዕጸዉ።
ሓደ ኣፈኛ ፖሊስ ስጳኛ፥ “ንህይወት እዞም ስደተኛታት ኣብ ሃደጋ እዮም ዘእትውዎ ኔሮም። ገለ ስደተኛታት ኣብ ኣኻውሕ ዘለዎ ቦታ ብጐነጽ ምስ ዓለቡ ጉድኣት ወሪድዎም እዩ፡” ኢሉ።
ሓደ ኻብቶም ኣሰጋገርትን ክልተ ስደተኛታትን ኣብ ኣልሄሲራስ ተኣሲሮም፡ ካልኦት ክልተ ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብታ ሴውታ እትብሃል ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ብሞሮኮ ዝተኸበበት ግዝኣት ስጳኛ ተታሒዞም።
ሰለስቲኦም እቶም ኣስገርቲ ብምስግጋር ሰባትን ምጭዋይን ተኸሲሶም፥ ክልተ ዘይተታሕዙ ካብቶም ኣስገርቲ ድማ ገበነኛታት ምዃኖም ኣህጉራዊ ምክልታታት ወጺኦሎም።
ስደተኛታት ነቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኹነታት ሊብያ ክእለዩሉ፡ ኣስገርቲ ድማ ካብ ሓድሽ ብርቱዕ ምክትታል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኸምልጡ ኣብ ዝፍትኑሉ ዘለዉ እዋን፡ ቁጽሪ ናብ ስጳኛ ዘምርሑ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ይዓብን ቁጽሪ እቶም ናብ ኢጣልያ ዘምርሑ ብቕልጡፍ ይውሕድን ኣሎ።
ብመሰረት ኣሃዛዊ ጸብጻባት ወኪል ዶባትን ሓለዋ ባሕርን ኤውሮጳ (ፍሮንቴክስ)፡ ቁጽሪ ናብ ኢጣልያ ዘምርሑ ስደተኛታት ኣብ ወርሒ ሓምለ ብ57% ቀኒሱ።
እቲ ጸብጻብ፡ “እንተላይ ሕማቕ ኩነታት ባሕሪ ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሰሙናት ሓምለ ዘጠቓልሉ ሓያሎ ጸለውቲ እዮም ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ንዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣትሒቶሞ፡” ይብል።
ፍሮንቴክስ ወሲኹ፡ “ኣብ ጥቓ እታ ቀንዲ መበገሲት ስደተኛታት ዝዀነት ሳብራታ ዘጋጠመ ግጭታትት ነቲ ኻብቲ ከባቢ ዝብገስ ዝነበረ ወፍርታት ምስግጋር ጸልዩዎ እዩ። ብተወሳኺ፡ ልዑል ህላወ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት፡ ስደተኛታት ኣብ ጃላቡ እናጸዓኑ ክሰዱ ዘየተባብዕ ኰይንዎም እዩ፡” ይብል።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ