ሬሳታት 16 ስደተኛታት ኣብ ዶብ ሊብያን ግብጽን ተረኺቡ

ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ኣብቲ ጥቓ ምስ ግብጺ ዘዳውብ ከባቢታት ኣብ ዝርከብ ምድረበዳ ሬሳታት 16 ስደተኛታት ረኺቦም። እቲ ሬሳታት 310 ኪሎሚተር ካብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እተደኰነት ሊብያዊት ከተማ ጡብሩቕ ርሒቑ ኣብ ዘሎ ኸባቢ እዩ ተረኺቡ።

ኣፈኛ ቀይሕ ወርሒ ፋጥማ ኣልዕቤይዲ፡ 13 ካብቶም ስደተኛታት ካብ ኣውራጃታት ሚንያ፡ ኣስዩጥ፡ ሱሃግ፡ ኢስማዒሊያ፡ ፈዩም ከምኡ ድማ ደቕሂልያ ዝተበገሱ ምንባሮም ሓቢራ።

እቶም ነቲ ሬሳታት ዝኣከብዎ ኣባላት ቀይሕ ወርሕን ሰራዊት ሊብያን እቶም ስደተኛታት ካብቲ ሬሳታቶም ዝተረኽበሉ ቕድሚ ነዊሕ ከምሞቱ ጥርጥር ኣይነበሮምን። መለለዪ ወረቓቕትን ፓስፖርትታትን እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ዝተመናንሀ ሬሳታት እዩ ተረኺቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ኣዋርሕ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ተራእዩ እዩ። ኣብ ፈለማ ሓምለ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ናብ ሊብያ ብእግሪ ምስኣተዉ ተቐቲሎም ወይውን ኣስገርቲ ደርብዮሞም ምስከዱ ሞይቶም ክዀኑ ናይ ዝኽእሉ ስደተኛታት ሬሳታት ኣብ ምድረበዳ ምብራቓዊ ሊብያ ረኺቦም። ብጠቕላላ 48 ግብጻውያን ሞይቶም ክዀኑ ኸዝኽእሉ እኳ እንተተገመተ፡ ኣካላቶም ንምልላይ ክሳዕ ዘሸግር ኣዝዩ ስለዝተበላሸወ ዝበዝሑ ምልላዮም ኣይተኻእለን።

ኣስገርቲ ብዙሕ እዋን እዮም ብሓይልታት ጸጥታ ኽይእሰሩ ንምህዳም ወይውን መካይን ምስተሰብርኦም ነቶም ዘስግርዎም ሰደተኛታት ራሕሪሖሞም ዝሃድሙ።