ኣብ 2017 ዛጊት ሂወት ልዕሊ 2,600 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ይጠፍእ
ስእሊ፡ ማውሮ ሰሚናራ/ኣልያንስ ፍራንስ ፕረስ/
ቁጽሪ ናይቶም ኣብ’ዚ ዓመት ብመንገዲ ማዕከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ እንዳምርሑ ሂወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት ዛጊት 2,654 ከምዝበጽሐ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዝዘርገሖ እዋናዊ ጸብጻብ ኣረዲኡ። ኣቲ ውድብ ኣብ ጸብጻቡ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝወስድ ማእከላይ ከባቢ ናይቲ ማያዊ ኣካል ዝጠፍኡ ምዃኖም ይሕብር።
እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ናይ ቀረባ ፍጻሜ ኢሉ ዝጠቐሶ ሓደጋ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ መስከረም ዘጋጠመ እዩ። ብ 20 መስከረም ሓንቲ ካብ ማያዊ ገማግም ከተማ ዙዋራ ናይ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ነዊሕ ከይከደት ብምጥሓላ ብዘይ እቶም ሬሳኦም ዝተረኽበ 7 ስደተኛታት፡ ኣብ’ታ ጃልባ ተጻዒኖም ምንባሮም ዝተረገጸ 90 ካልኦት ዛጊት ደሃዮም ከምዘይተረኽበ ይንገብር።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ጸብጻቡ ዋሕዚን ብዝሒን ናይቶም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጎዲሉ ከምዘሎ እውን ጠቒሶም ኣሎ። ወግዓዊ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ኣብሪሁዎ ከምዘሎ እውን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ቊጽሪ ናይቶም ናብ ማያዊ ገማግም እታ ሃገር ዝበጽሑ ስደተኛታት ብ 21.5 ሚእታዊት ጎዲሉ ምህላው እዩ።
ዝሕይል ዘሎ ስርሒታት ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቲ ምጉዳል ዝደፍኡ ካብ ዘለዉ ረቛሕቲ ምዃኑ ዘረድኡ ጸብጻባት፡ ስርሒታት ምድሓን ሂወት እተን ከም ሓካይም ብዘይዶብን ሴይቭ ዘ ቺልድረንን ዝኣመሰላ ሰብኣውያን ኣካላት ደው ክብል ስለዝተገብረ እውን ቁጽሪ እቶም ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ክዛዝሙ ዝበቕዑ ስደተኛታት ኣዚዩ ይንኪ ምህላው የብርሁ።
ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ስደተኛታት ኣብ ዘይውሑሳትን ነዊሕ ክጓዓዛ ብቕዓት ዘይብለንን ናይ ፕላስቲክ ጀላቡ ይጥቀሙ ምህላዎም እውን ተወሳኺ ረቛሒ እዩ።
ሊብያውያን ሓይልታት ካብ ማያዊ ገማግም ሃገረን ዝብገሳ ጀላቡ ንምሕላኽ ዘኽእል ዓቕሚ ክውንና ብመንግስቲ ጥልያን ዝግበር ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ሓገዛት እውን ንዋሕዚን ብዝሕን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ዘጉድል ዘሎ ተወሳኺ ጸቕጢ እዩ። ጥልያን ኣብቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘይሕጋዊ ስደተ ንምግታእ ምስ ሊብያ ኣቲዩዎ ዘሎ ጽምዶ መሪሕ ተዋሳእነት ተርኢ ዘላ ሃገር ኮይና፡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምስልጣን፡ ማሪታይማዊ ማእከል ምውህሃድ ምድሓን ሂወት ምቛምን ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኣብ ምምሕያሽን ቀጥታዊ ስራሕ ተካይድ ኣላ።
ቤት-ጽሕፈት ላዕለዋይ ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እዋናዊ ተልእኾ እቲ ውድብ ኣብ ሊብያን ኣብ ምዝዛም ናይ ዝሓለፈት ዓመት ብሓባር ዝሰነድዎ እዋናዊ ጸብጻብ ከምዘነጽሮ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከባ መዳጎኒ ማእከላት ሕጽረት መግቢ፡ ግዱድ ስራሕ፡ ሕማማት፡ ቀጻሊ መግረፍቲን ጾታዊ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ሕሱማት ኣተሓሕዛ ከምዝረኣየለን እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ