ጥልያን፥ ስደተኛታት ናብ ዝሓሰመ ሂወት
ስእሊ: መሓመድ ጋዕናም/ዶክተራት ብዘይ ዶብ/
ዜጋታት ኤርትራ፡ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝኾኑ ልዕሊ 700 ስደተኛታት ኣብ ዶብ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ኢጥልያዊት ከተማ ቬንቲሚላ ሕሱም መነባብሮ የሕልፉ ከምዘለው ብ ፕሮጀክት ሓበሬታ መሰላት ስደተኛታት (Refugee Rights Data Project-RRDP) ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ጽሬትን እኹል ኣራኽቦም ኣብ ዝተሓረሞ ኩነታት ይነብሩ ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ጠቕላሊት ዳይረክቶር ናይ’ቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ኣካል ዝኾነት ማርታ ዌላንደር ንጋዜጣ ‘ዘ ኢንዲፐንደንት’ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ከተማ ቬንቲሚላ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጻዒኑ ዘሎ ውህሉል ሽግር ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ከምዝኾነን፡ ኣብታ ከተማ ዝረአ ዘሎ ሕሰም ስደተኛታት ድማ ጉጅለኣ ንመጽናዕቲ ካብ ዝበጽሖም ተመሳሰልቲ ከባቢታት ዝተፈልየ ከምዝኾነን መስኪራ።
ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ ደሴታት ግሪኽ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣጓኒፉ ዘሎ ጸገም ከቢድን ቀይዲ ዝበተኸን እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ከተማ ቬንቲሚላ ሰሪቱ ዘሎ ክቱር ዋሕዲ መሰረታዊ ጠለባት ሂወትን ስእነት መባእታዊ ኣገልግሎትን ልዕሊ ካልእ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ተረድእ።
ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ምስክርነቶም ዝሃቡ ስደተኛታት ከምዘነጸርዎ፡ ኣብ ቃልዕ ከባቢታት ናይ ትሕቲ ድንድላትን ገማግም ሩባታትን ተጻጊሞም ከምዝድቅሱ፥ ማይ ናይቲ ኣካላቶም ዝሕጸቡሉን ቀልቀል ዝወጽኡሉን ሩባ ከምዝሰትዩ፥ ቀጻሊ በደላትን ምጉናይን ብኣባላት ጸጥታ ከምዝጎንፎም፥ ኣዚዩ ትሑት ኣገልግሎት ጥዕና ከምዝረኽቡ፥ ከምኡ’ድማ ናብ ፈረንሳ ንምስጋር ኣብ ዝወስድዎም ናይ ኣጻድፍን ቢንቶታትን መስመራት ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ እዩ።
ንኣብነት ካብቶም ኣብ’ቲ መጽናዕቲ ዝተሓተቱ 150 ስደተኛታት፡ እቶም 60 % ናብ ዓዲ-ጥልያን ካብ ዝኣትው ጥዕናዊ ጸገማት ከምዝጎኖፎም፥ 15% ጥራይ ተዛማዲ ኣገልግሎታት ጥዕና ከምዝረኸቡ፥ 70% ዕለታዊ ሓደ ግዜ ጥራይ መግቢ ከምዝረኽቡ ክሕብሩ እንከለው፡ ልዕሊ 70 % ኣብ ከተማ ቬንቲሚላ ብዘሎ ስሑው ጸጥታዊ ትሕተ-ቅርጺ ዝኾነ ድሕነት ከምዘይስመዖም ይዛረቡ።
ብኣባላት ፖሊስ ጥልያንን ፈረንሳን ኣብ’ታ ዶባዊት ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝወርድ ሕሱም በደላት ልዑል ከምዝኾነ ወሲኹ ዘነጸረ እቲ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ቃሎም ዝሃቡ ስደተኛታት ልዕሊ ፍርቂ ብ ኣባላት ጸጥታ ከምዝተገፍዑ የረድእ።
ስደተኛታት ኣብ ከተማ ቬንቲሚላ ዘሕልፍዎ ዘሎ ጸገም ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዓጽወ መዓስከር ካሌ ናይ ፈረንሳ ዝረአ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ኩነታት ዝኸበደ ከምዝኾነ እያ ጠቕላሊት ዳይረክቶር ማርታ ተገልጽ።
መንግስቲ ጥልያን ንሓደስቲን ጸናሕትን ስደተኛታት ኣንጺፉዎ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ዘይስሩዕን ምስ ዋሕዚን ወሰኽን ስደተኛታት ዘይላፈንን ኮይኑ ይቕጽል ብምህላው፡ ሰብኣውን ማሕበራውን ድሕነት’ቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበኣሰ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ዶክተራት ብዘይ ዶብ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ናይ’ዚ ዓመት ዝዘርገሖ ጸብጻብ ዝሕብር።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ