ሕብረት ኤውሮጳ 50,000 ስደተኛታት ከጣይስን ምጥራዝ ከቀላጥፍን እዩ
መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝርከቡ 50,000 ስደተኛታት ኣብዚ ዝስዕብ ክልተ ዓመት ናብ ካልኦት ሃገራት ዝጣየሱሉ ውጥን ኣፍሊጦም።
ብመሰረት እቲ ብ27 መስከረም ዝወጸ መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳ ክሳብ ጥቅምቲ 2019፡ እንተወሓዱ 50,000 ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ዝጣየሱሉ እማመ የቕርብ ኣሎ።
ካብ ቱርኪን ማእከላይ ምብራቕን ዝብገስ ምጥያስ ክቕጽል፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ፡ ቀንዲ ኸኣ ኣብ ሊብያ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጫድን ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ፍሉይ ኣትኵሮ ኽወሃብ እዩ።
ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣባላት ሃገራት ነቲ መደብ ምጥያስ ከተግብራ ዝድገፋሉ 500,000 ሚልዮን ዩሮ ፈልዩ ኣሎ።
እቲ እማመ፡ ኣገባብ ምጥራዝ ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ኣድማዒ ዝዀነሉ ሓድሽ ኣገባባት ከተኣታቱ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ሓደን ፈረቓን ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ናብ ሃገራቶም ዝምለሱሉ መደባት ብኹሉ ሸነካት ከቀላጥፍ ዝምድብ እዩ። ሓደ ንኣገባብ ምምላስ ስደተኛታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝምልከት መረድኢ ወረቐት፡ “ዝጠንከረ ኽፍሊ ተመለስቲ፡ ስርሑ ኸቃንዕ ምሉእ ስልጣን ተዋሂብዎ፡ እዞም ሓደስቲ ኣገባባት ምምላስ ስደተኛታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓዩን ኣብ ጥቕሚ ኸምዝውዕሉን ከረጋግጽ እዩ፡” ይብል።
ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ንጉዳይ ስደት ድሚትሪስ ኣቭራሞፖውሎስ፡ “ብትኽክል ዝሰርሕ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መዋፈሪ ተመለስቲ፡ ኣብ ውሽጢ ወኪል ዶብን ገምገም ባሕርን ኤውሮጳ ኽህሉ ንእምም። ከምኡውን ቅያር ናይቲ ህይወት ዝቐዝፍ ዘይሕጋዊ ጉዕዞታት ዝኸውን ሓቀኛ ኣማራጺታት ክንከፍት ይግብኣና፡” ኢሉ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ