ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ሊብያ ንስደተኛታት የግዕዝ
ጸጥታዊ ውድቀት ንዓመታት ሰሪቱላ ኣብ ዘሎ ሊብያ ተዓጊቶም ኣብ ዝተኣፈፈ ኩነታት ወዲቖም ዝጸንሑ 25 ስደተኛታት፡ ኣብ ካልኣይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ናብ ኒጀር ክግዕዙ ከምእተገብረ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
እቶም 15 ደቅንስትዮ፡ 6 ደቅ-ተባዕትዮን 4 ህጻናትን ስደተኛታት – ዜጋታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ካብ 2011 ብቐጻሊ ኲናት ሕድሕድ እትሕመስ ኣብ ዘላ ሊብያ ስዒቡ ዘሎ ሕጊ ኣልቦነት ነታ ሃገር ናብ ቀንዲ መናሃርያ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ናብ ኤውሮጳ ቀዪሩዋ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር። ብመንገዲ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ከብሉ ዝምድቡ ስደተኛታት ኣብ’ታ ሃገር ምስ ኣተው ፡ኩሉዓይነታዊ ምዝመዛን መጭወይቲን ቀጻሊ ከምዝወርዶም’ውን ይፍለጥ።
“ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ኩነታት ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምውጻእ ኢና ንጽዕት ዘሎና፣” ይብለ ወሃብ-ቃል ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ዊልያም ስፒንድለር ን ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ብዝተፈላለዩ ጸገማት ተኸርዲኖም ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ምውጻእ ፡ እቶም ስደተኛታት ክሳዕ ናብቲ ክሰጋገርዎ ዝመርጹ ሃገር ብሕጋዊ መስርሕ ጠለባቶም ዝምለስ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ክጸንሑ ዘኽእል’ዩ። መንግስቲ ኒጀር ድማ ነዞም 25 ስደተኛታት ጉዳዮም ተራእዩ ናብ ዝጠለብዎ ሳልሳይ ሃገር ክሳዕ ዝሰግሩ ከሳሲዮም ስለዝተሰማመዐ’ዩ ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ነቲ ናይ ምግዓዝ መደብ ኣተግቢሩዎ።
ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት፡ ሃገራት ዓለም ነቶም ንመስመር ዋሕዚ ስደት ማእከላይ ከባቢታት-ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝቃረባ 15 ሃገራት ተዓጊቶም ዘለው ስደተኛታት ብዝከኣለን ቦታ ክቕርባ እዩ ዝጽውዕ። ብመንገዲ’ቲ ኣህጉራዊ ወኪል ዝመርሖ ሕጋዊ መስርሕ ምስግጋር ድማ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት ዛጊት 6,700 ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ተሰጋገሮም ኣለው።
ውሑስን ድሕነቱ ዝተሓለወን ሕጋዊ መስርሕ ምስግጋር፡ ስደተኛታት ንዝወስድዎም ንሂወት ዝፈታተኑ መንገዲታት ከወግድ ከምዝኽእል’ዩ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ላዕለዋይ ወኪል ንኩነታት ማእከላይ ከባቢታት-ማእከላይ ባሕሪ ዝኾነ ቪንሰንት ኮኬትል ዘተሓሳስብ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ