ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ታንዛንያንን ዘይስሩዕ ስደት ንምግታእ ብሓባር ይሰርሓ

መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ጉዳይ ስደት ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም። መንግስታት እተን ሃገራት ነቲ ካብ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ ናብ ደቡባዊ ክፋል እታ ኣህጉር ዘብል ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምጉዳልን፡ ነቶም ኣብ ጉዕዞ ተዓጊቶም ኣብ ሓደጋ ዝወድቊ ስደተኛታት ድማ ሰብኣዊ መሰሎም ከምኡ’ውን ድሕነቶም ንምውሓስን ብሓባር ክሰርሓ’የን ተሰማሚዐን ዘለዋ።

እቲ ስምምዕ ድሕሪ’ቲ ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ተሓጊዙ ኣብ ርእሰ-ከተማ ዳርኤሰላም ናይ ታንዛንያ ካብ 2 ክሳዕ 4 ሚያዝያ 2019 ዝተቓንዐ ስሉሳዊ ርክብ እዩ ተበጺሑ። ኣብ’ቲ ርክብ ናይ ቴክኒክ ክኢላታት እተን ሰለስተ ሃገራት ኣስራሕቲ ዝበልዎም ነጥብታት ኣማዕቢሎም።

እቶም ክኢላታት፡ ስደተኛታት ኣብ ዝዳጎኑለን ማእከላት ዘሎ ኩነታት ክመሓየሽ፡ ኪንዮ ምድጓን ካልእ ኣመራጺታት ክድህሰስ፡ ዘይውሑስ ጉዕዞ ስደት ካብ ምውሳድ ዝቚጡቡ ሜላታት ክልለዩ፡ ከምኡ’ውን ተመላሶ ስደተኛታት ናብ ሕብረተሰቦም ብዘይጸገም ክጽንበሩ ዘኽእሉ መንገዲታት ክመሓየሹ ዝጠልቡ ሓሳባት እዮም ኣቕሪቦም።

ሓይሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ ተደጋጋሚ ፈተነታት እዮም ዘካይዱ። እቶም ስደተኛታት ዝኾነ ሕጋዊ ሰነድ ጉዕዞ ከይሓዙ ብመንገዲ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ታንዛንያ፡ ማላዊ፡ ዛምብያን ዚምባብዌን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኣትዉ ኣብ ዝፍትንሉ ብሰብ-መዚ ኢሚግሬሽንን ሓለዋ ዶባትን ይተሓዙን ይዳጎኑን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ’ዚ ጉዕዞ ኣብ ሓደጋ ዝወድቊን ኣብ መተሓላለፍቲ ሃገራት ዝዕገቱን ዜጋታት ናብ ሃገር ንምምላስ ምስ ኣይ.ኦ.ኤምን መንስግታት እተን ሃገራትን ብቐረባ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ታንዛንያ ኣቶ ካንጊ ሉጎላ ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ዳርኤሰላም ኤምባሲ ክትከፍት ምውሳና ድሕሪ ምምስጋን ፡ እቲ ኤምባሲ ካብ ዝኽፈት ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝጸንሑ 301 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝኸኣሉ የረድእ።

ምምላስ እቶም ኢትዮጵያውያን ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ክፍሊ ኤሚግሬሽን ታንዛንያን ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ዝካየድ ጽኑዕ ተበግሶ ዘንጸባርቕ’ዩ ፡” ይብል እቲ ታንዛንያዊ ሚኒስተር።

ሓላፊ ኣይ.ኦ.ኤም ጨንፈር ታንዛንያ ኣቶ ቓስም ሱፊ ነቲ በተን ሰለስተ ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት ንምግታእ ዝዕላማኡ ሓባራዊ መንፈስ ሞጊሱ።  ንሱ ወሲኹ ፡ ማሕበራት ግብረ-ሰናይ ዝተዓግቱ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ምስ ሕብረተሰቦም ክጽንበሩ ንምኽኣል ቀጻሊ ደገፈን ክህባ ተስፋ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓባራዊ ስምምዕ እዘን ሰለስተ ሃገራት ነቲ ናብ ዶቡባዊ ክፋላት ኣፍሪቃ ዘአንፈተ ልዑል ገንዘባውን ኣካላውን ክሳራታት ዘስዕብ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት ናይ ዝወስዱ ስደተኛታት ቊጽሪ ይዛይድ ኣብ ዘለወሉ እዋንዩ ዝብገስ ዘሎ። ኣብ’ዚ ጉዕዞ፡ ስደተኛታት ክሰልጦም ድዩ ከየረጋገጹ ንኣሰጋገርቲ ኣዝዩ ልዑል መጠን ገንዘብ ከምዝኸፍሉ ይግለጽ።

ገለ ስደተኛታት እዉን ኣብ’ዚ ጉዕዞ’ዚ ህይወቶም ይስእኑ እዩም። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2018፡ 13 ስደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ገማግም ታንዛንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ጉዕዞ ብምግምጣላ 7 ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።

TMP – 17/04/2019