ልዕሊ 15,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ነናብ ሃገሮም ክምለሱ

ስእሊ፥ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብመንገዲ ጌቲ ኢሜጅ/ ጣሃ ጃውሺ። ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮን ቆልዑን ስደተኛታት ካብ ከተማ ትሪፖሊ ናይ ሊብያ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል

ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ኣብ ትሕቲ ዝሓሰመ ኩነታት ተጸፍጺፎም ይጋፍዑ ምህላዎም ዘግህዱ ሓበሬታታት ድሕሪ ምውጻኦም ፡ ኣብተን መዳጎኒታት ዝርከቡ 15,000 ስደተኛታት ክሳዕ ምዝዛም እዚ ዓመት’ዚ ነናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መደብ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ሓቢሩ።
“በቲ ናይ ምምላስ መደብ ናይ ዝግዕዙ ስደተኛታት ቊጽሪ ምዝያድ ነቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ረኺበምዎ ዘለው ኩሉዓይነታዊ ጸገማት ብመሰረቱ ዘይፈትሕ’ኳ እንተኾነ፡ ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ማእከላት ናይ ምውጻዕ ዕማም ግና ቀዳማይ ስራሕና እዩ፡ “ ይብል ዳይረክተር ጀነራል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣቶ ዊልያም ሌሲ ስዊንግ ።
ብዘይካ’ቶም ኣብ ሞዳጊኒ ማእከላት ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሊብያ ዝርከቡ ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ክግዕዙ ዝመርጹ ስደተኛታት እውን ነቲ ናይ ምምላስ መደብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብቚዓት ምዃኖም እዩ ዝንገር።
ኣብ ውሽጢ’ዛ እንዛዝማ ዘሎና ዓመተ 2017 ብመደብ ወለንታዊ ምምላስ ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዛጊት ልዕሊ 14,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ነናብ ሃገሮም ክግዕዙ ከምዝተገብረ ዝሕበር ኮይኑ፥ እዚ ኣሃዝ እዚ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ 2,775 ብዝሒ ተመላሶ ኣዚዩ ከምዝዛይድ ይንገር።
ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ሳምንታት ቁጽሪ ናይቶም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ዝጽፍጸፉ ስደተኛታት ብርኡይ ክዛይድ ይረአ ምህላዉ እዩ ዝንገር። ብመሰረት ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፡ እቲ ብዝሒ ካብ ከባቢ 6,000 ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ልዕሊ 15,000 ክብ ከምዝበለ’ዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ናይ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ቊጽሪ ዛጊት 400,000 ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ’ታ ሃገር ብጠቕላል ካብ 700,000 ክሳዕ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ክህልው ከምዝኽእሉ እዩ ዝግምገም።
ብተወሳኺ ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከምኡ’ውን መንግስቲ ሊብያ ነቶም ኣብ’ታ ሃገር ተኸርዲኖም ዝጻበቡ ዘለዉ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ንምምላስ ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለው ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኤማኑዌል ማክሮን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ናብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝገበሮ ወግዓዊ ዑደት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምድሓን እቶም ኣብ ሊብያ ተኸርዲኖም ዘለዉ ዜጋታቶም መሪሕ ተራ ክጻወታን ፡ ነቶም ስደተኛታት ንምምላስ ድማ ሓገዝ ፖሊስን ሰራዊትን ክውሰኾ ከምዝግባእ ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።