ስዊዘርላንድ፡ ቊጽሪ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ይንኪ
ስእሊ፥ ኢስት ኣፍሮ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ
ቁጽሪ ናይቶም ናብ ዶብ ስዊዘርላንድ በጺሖም ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ብርኡይ ነክዩ።
ኣብ 2012፡ ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ካብ ቀዳሞት ምርጫ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ዓመት’ቲ ኣብ’ታ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ስደተኛታት እቶም 37 ሚእታዊት ኤርትራውያን ምንባሮም ይንገር።
ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ኣሃዝ ካልዕ ፍቕዲ’ዩ ሒዙ። ኣብ 2017፡ ስዊዘርላንድ ካብ ዝመዝገበቶም ሓተቲ ዑቕባ 12 ሚእታዊት ማለት 414 ጥራይ እዮም ኤርትራውያን ። እዚ ካብቲ ኣብ ጀርመንን ጥልያንን ዝተመዝገበ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ኣብ 2017 ኣብ ጀርመን ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ስደተኛታት እቶም 36 ሚእታዊት ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ ኣብ ዓዲ ጥልያን ድማ 23 ሚእታዊት እዮም።
ምንካይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከምዘለዎ ዝንገር ኮይኑ፡ እቲ መሰረታዊ ምኽንያት ግና ብስንኪ’ቲ ኣብ ጥልያን ከሪሩ ዘሎ መስርሕ ምዝገባ ሓደስቲ ስደተኛታትን ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ተርኒዑ ዘሎ ሓለዋን፡ ሓፈሻዊ ብዝሒ ናይቲ ናብ ኤውሮጳ ዝኣቱ ብዝሒ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ነክዩ ብምህላዉ እዩ። ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝጸንሓ ፖሊሲ ብምጽባባን ንኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዘነጻጸሩ ተረርቲ ሕግታት ብምሕላፋን ተወሳኺ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።
“ካብ ሰነ 2016 ናብ ውትህድርና ዘይዓስከሩን ካብኡ ነጻ ዝኾኑን ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ሕቶኦም ኣሉታዊ ምላሽ ኽወሃቦ ተገይሩ’ዩ፡” ይብል ሚኒስተር ኤሚግሪሽን ስዊዘርላንድ ዝኾነ ኤማኑኤል ጃኲት ቮንሱሪ ን SRF ዝተባህለት ሬድዮ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል።
ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ስዊዘርላንድ ኣዚዩ ጎዲሉ እንዳሃላወ ግና ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ካብ ዘለው ሓተቲ ዑቕባ ብብዝሒ ቀዳሞት ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለው። መንግስታውያን ጸብጻባት ስዊዘርላንድ ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ 2017 ካብ ዝተሰነዱ 3,375 ጠለባት ዑቕባ እቲ 39 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ’ታ ሃገር ካብ ዝርከባ ስድራቤታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተወልዱ ቆልዑ እዩ።
“ሓያሎ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣከታቲልካ ቆልዑ ምውላድ ኣብታ ሃገር ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ከምዘራጒድ’ዮም ዝኣምኑ፡” ይብል ረዳኢ ዝስሙ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ንሬድዮ SRF ኣብ ዝሃቦ ቃል።
ሚኒስተር ቮንሱሪ ግና ሓታቲ ዑቕባ እንዳሃለኻ ቆልዓ ምውላድ ንሕቶ ዑቕባኻን ውሳኔኡን ዝጸልው ከምዘይኮነ እዩ ዝዛረብ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ