ኢጣልያ ናብ ማዕከን ኣፍሪቃ ዝኣቱ ተወሳኺ 80 ሚልዮን ዩሮ ኽትህብ ምዃና ኣፍሊጣ

ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ እቲ 200 ሚልዮን ዩሮ ዝዓቐኑ ዘይሕጋዊ ስደተ ንምቅላስ ዝቘመ ማዕከን ኣፍሪቃ 80 ሚልዮን ዩሮ ክትውስኽ ምዃና ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ ኣብቲ ኣብ ሮማ ብ6 ለካቲት ዝተኻየደ ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን እዩ ብዛዕባ እቲ ተወሳኺ ገንዘብ ተዛሪቡ።
“ኣብ ዝስደዱን ስደተኛታት ዝሓልፉሎምን ማሕበረሰባት ዝነበረ ወፍሪ እንደገና ኸነበግሶ ንደሊ ኣለና፡” ይብል ኣልፋኖ ኣብ ትዊተር። “ኢጣልያ ንማዕከን ኣፍሪቃ ተወሳኺ 80 ሚልዮን ዩሮ ክትውስኸሉ ወሲና ኣላ።”
ማዕከን ኣፍሪቃ ናይ ኢጣልያ ጥሪ 2017 “ዘይሕጋዊ ስደት ንምቅላስ፡ ምብጋስ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ ከምኡ ድማ ንምሻጥ ሰባት ንምጥፋእ” ተበጊሱ።
እቶም ካብ ስደተኛታት ዝብገሱለንን ዝሓልፉለንን ሃገራት ኣፍሪቃን ስደተኛታት ዝኣትዉወን ሃገራት ኤውሮጳን “ሓባራዊ ሓላፍነት ንሓባራዊ ዕላማ– ጥምረትን ድሕነትን” ኣብ ዝብል ምስቲ ናይ 6 ሓምለ 2017 ንኻልኣይ ግዜኡ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ እዮም ተሳቲፎም።
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ቻድ፡ ኒዤር፡ ኣልጄርያ፡ ሊብያ፡ ቱኒዝያ፡ ግብጺ፡ ማልታ፡ ኢጣልያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ነፀርላንድስ፡ ስጳኛ፡ ከምኡ ድማ ፕረሲደንት ቆንስል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኰይና ዘላ ቡልጋርያ ተሳቲፈንኦ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት፡ ከምኡ ድማ ውድብ ጸጥታን ምትሕግጋዝን ኣብ ኤውሮጳ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዋዕላ ኣብ ዝወጸ መግለጺ እተን ተሳተፍቲ ሃገራት “ብዛዕባ ስቓይን ምዝመዛን ስደተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባን ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን፡ ብፍላይ ድማ ኣንስትን ህጻናትን፡ ብዛዕባ እቲ ዘይቅቡል ምጥፋእ ህይወት ኣብ ጉዕዞ ስደትን ዘለዎም ዓቢ ስክፍታ” ገሊጾም።
እተን ሃገራት ምስ “ኣፍሪቃውያን ኣተሓላለፍቲ ሃገራት” ብምትሕብባር “ኣህጉራዊ ተበግሶ ኽውስኽ” ከምኡ ድማ “ምምሕያሽ ምሕደራን ምክልኻልን ዘይሕጋዊ ስደትን ምቍጽጻር ዶባትን ክግበር፡” ጸዊዐን።