ጀርመናዊት ከተማ ሓተትቲ ዑቕባ ምቕባል ትኣቢ
ጀርመናዊት ከተማ ፒርማሰንስ
ናይ ጀርመናዊት ግዝኣት ራይንላንድ-ፓላቲነይት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ከተማ ፒርማሰንስ ካብ ሕጂ ንደሓር ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ክትቅበል ከምዘይትግደድ ከምዘፍለጠ ዶቸ ቬለ ይሕብር። እቲ ለውጢ ወከልቲ ሃገራዊ መንግስትን ንነዊሕ እዋን ከተምኦም ነቶም ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታታን ዝዀነ ማሕበረሰባት ክትቅበል ዓቕሚ ኸምዘይብላ ኽገልጹ ዝጸንሑ መራሕቲ እቲ ማሕበረሰብን ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ እዩ ስዒቡ።
“ኣብ ፍሉይ ኩነታት ስለእትርከብ፡ ንኸተማ ፒርማሰንስ ናይ ሓጺር ግዜ ሓገዝ ክንቅርበላ ድሉዋት ኢና፡” ትብል ናይቲ ግዝኣት ሚኒስተር ውህደት ኣን ሽፒገል።
ከንቲባ እታ ኸተማ በርሃርድ ማትየስ ንኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ነቲ ውሳኔ ኸምዝተቐበሎን፡ ነቲ ግዝኣታዊ መንግስቲ “መተንፈሲ ስለዝሃበና” ኸምዘመስግኖን ገሊጹ።
ኣብታ ኸተማ ኣዝዩ ብዙሕ ዝሰፍሮ ዘይብሉ ኣባይቲ ስለዝነበረ እዮም ክሳብ ሕጂ ስደተኛታት ብብዝሒ ናብኣ ኽልኣኹ ጸኒሖም። እንተዀነ፡ እቲ ነበርቲ ዘይብሉ ኣባይቲ ዝፈጠረ ቑጠባዊ ጸገማት እታ ኸተማ ነቶም ስደተኛታት ዘድልዮም ቀረባት ምድላው ኣጸጋሚ ይገብሮ።
እታ 40,000 ተቐማጦ ዘለውዋ ኸተማ 1,300 ዝበጽሑ መብዛሕትኦም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ቅቡል ዝዀነሎም ስደተኛታት ኣአንጊዳ። ከንቲባ ማትየስ፡ ዝሓለፈ ዓመት ናይታ ኸተማ ብፍቓዶም ዝሕግዙን መምህራንን ንቑጽሪ እቶም ዝመጹ ዝነበሩ ስደተኛታት ክቕበሉ ከጸግሞም ምስጀመሩ ጸገም ከምዘሎ ኸምዘስተውዓለ ይገልጽ።
ሚኒስተር ሽፒገል ከተማ ፓርሚሰንስ “ፍልይቲ ጉዳይ” ከምዝዀነት ትገልጽ፡ እንዀነ ግን ብዙሓት ከተማታት ጀርመን ተወሰኽቲ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከይለኣኹለን ተቓምዊመን ተዓዊተን እየን።
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ከተማ ኮትቡስ ሓደስቲ ስደተኛታት ምቕባል ደው ከምዘበለት ገሊጻ ኔራ። ብተመሳሳሊ፡ ከተማታት ዛይስጊተር፡ ደልመንሆርስት፡ ከምኡ ድማ ቪልሀልምስሃፍን፡ ሓደስቲ ዝመጹ ስደተኛታት ክቕበላ ዓቕሚ ኸምዝጐድለን ብምግላጽ ስደተኛታት ከልኪለን ኔረን።
ናይት ተቓወምቲ ሰልፍታት ፖለቲከኛታት ኣብ ሓጋጊ ኣካል ግዝኣት ራይንላንድ-ፓሊቲነይት፡ ካልኦት ከተማታት ከም ከተማ ፒርማሰንስ ይሽገራ ኸይህልዋ ኣብ ምሉእ እቲ ግዝኣት መጽናዕቲ ኽግበር ይጠልቡ ኣለዉ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ