ጸረ ዓሌትነት ሰልፍታት ኣብ ኤውሮጳ
ሰልፈኛታት ከም ክፋል ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝውደብ ኤውሮጳዊ ሰሙን ምንቅስቓስ ኣንጻር ዓሌትነት ኣብ ሎንዶን፡ እንግሊዝ፤ 17 መጋቢት 2018።
ኣሽሓት ህዝቢ ብመኽንያት እቲ ዓመታዊ ካብ 17 ክሳብ 25 መጋቢት ዝካየድ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሰሙን ምንቅስቓስ ኣንጻር ዓሌትነት፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልኣት ወጻእተኛታት፡ ከምኡውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ኣድልዎ ንምቅዋምን፡ ንመሰላት ስደተኛታት ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይን ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ሰልፍታት ከካይዱ ቐንዮም።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣሽሓት ኣብ ሎንዶን ኣንጻር እቲ እናዓበየ ኸይድ ዘሎ ሕሉፍ የማናውን ምስኡ ዝዛመድ ዓሌታዊ ናይ ጽልኢ ገበናትን ንምእዳም፡ “መርሓባ ስደተኛታት” ከምኡ ድማ “ዓሌታዊ መጥቃዕትታት ደው ይበል” ዝብሉ ሰሌዳታት ጸይሮም ክስለፉ ውዒሎም።
ኣብ ቪየና፡ ኣሽሓት ሰባት ኣንጻር ዓሌትነት ንምእዳም “ዓሌትነት ይጥፋእ”ን ካልእ መልእኽታት ዝሓዘ ሰሌዳታት ተሰኪሞም ተሰሊፎም።
ኦስትርያውያን ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ካብቲ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ናጽነት ምስቲ ሰልፊ ህዝቢ ዝተባህለ ዓቃባዊ ሰልፊ ኣብ ልፍንቲ ዝኣተዉሉ እዮም ኣንጻር ዓሌትነት ዝእድሙ ዘለዉ። እቲ ሰልፊ ናጽነት ዝተባህለ ሰልፊ ዝሓየለ ምቍጻር ኣንጻር ስደት ክህሉን፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽጎም ስደተኛታት ብቕልጡፍ ክስጐጉን እዩ ዝጕስጕስ።
ኣብ ፈረንሳ፡ ኣሽሓት ሰባት ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ተሰደድቲ፡ ከምኡ ድማ ነቶም ብዘይመለለዪ ወረቓቕቲ ዝነብሩ ተሰደድቲ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ኽግበረሎም ክጽውዑ ተሰሊፎም። እዚ ሰልፊ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ መጽናዕቲ፡ ኣብ ጐደናታት ፓሪስ ዝነብሩ ተሰደድቲ ካብ ፈረንሳውያን ዜጋታት ኣካላውይን ጾታውን ጐነጽ ከምዝወረዶምን ፖሊስ ብጭካነ ኸምዝሕዝዎምን ምግላጹ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣብ ኣቴና፡ ኣማኢት ግሪኻውያን “ዶባት ይከፈት” ብምባል እናጨርሑን ካልእ መልእኽትታት ዝሓዘ ሰሌዳታት ተሰኪሞምን ኣንጻር ዓሌትነትን ኣተሓሕዛ ጉዳይ ስደት ሕብረት ኤውሮጳን ክእድሙ ውዒሎም።
ኣብ ፖላንድ፡ ኣማኢት ሰባት ኣብ ከተማ ዎርሶውን ካልኦት ከተማታትን ኣንጻር እቲ እናለዓለ ዝኸይድ ዘሎ ዓሌትነትን ጸረ-ኣይሁድነት ዝዓብለሎ ኣብታ ሃገር ዝርአ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ህዝብን ዘሎ ኣተሓሳስባ ኣዲሞም።
እዚ ኣጋጣሚ ብመኽንያት ኣብ እቲ ድሒሩ ኣብ 1966 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ ዓሌታዊ ኣድልዎ ክኸውን ዝተኣወጀ መዓልቲ፡ ንዝኽሪ እቶም ብ21 መጋቢት 1960፡ ኣብቲ ማሕረዲ ሻርፕቪል ተባሂሉ ዝተጸውዐ ፍጻመ ዝተቐትሉ 69 ጸረኣፓርታይድ ኣደመኛታት ዝካየድ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ