ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ምስ ኣሳገርትን ኣሻየጥትን ሰባት ከምዝተሓባበሩ ይኸስስ
ስእሊ፦ ሮይተርስ/ ሃኒ ኣማራ። ስደተኛታት ኣብ ቓርያን፡ ሊብያ፥ 12 ጥቅምቲ 2017።
ሓደ ጉጅለ ክኢላታት እገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መብዛሕትኦም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ሰንሰለታት ኣሳገርትን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ምትእስሳር ከምዘለዎም መረጋገጺ ኸምዝረኸበ ይኸስስ ከምዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።
“ምስ ዓበይቲ ፖለቲካውያንን ወተሃደራውያንን ጉጅለታት ምትእስሳር ዝነበሮም ዕጥቓት ጉጅለታት፡ ብፍላይ ኣብ ምስግጋርን ምሽያጥን ሰባት ብምድሃብ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምስግጋር ተዋፊሮም ኣለዉ፡” ይብሉ እቶም ናብቲ 15 ዝኣባላቱ ኮሚተ ባይቶ ጸጥታ ጸብጻብ ዘቕረቡ ኽኢላታት። መብዛሕትአን እተን ዕጡቓት ጉጅለታት “ንሽሙ ምስ ኣካላት ጸጥታ ሊብያ ምትእስሳር ኣለወን፡” ድማ ይብሉ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ “ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣሻየጥቲ ሰባትን ኣብ ልዕሊ አስመራት ስደት ዘለዎም ቍጽጽር ንምዕባይ ዝገብርዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ኣጠቓቕማ ንብረትን ገንዘብን መንግስቲ፥” ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።
እቲ ጸብጻብ፡ ምስቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝፍለጥ መንግስቲ ምትእስሳር ብዘለዎም ፍሉያት ሓይልታት ምክልኻል ዝተባህሉ ጉጅለ ኣብ 2016 ኣብ ትሪፖሊ ዝኣሰርዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሃብዎ፡ ድሕሪ ምትሓዞም ናብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣሳገርቲ ጉጅለታት ከምዘሳገርዎም ዝገልጽ ምስክርነት ከም ኣብነት ኣቕሪቡ።
እቶም ተኸታትልቲ እገዳ፡ “እዚ ጉጅለ መሪሕነት ፍሉያት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ውሽጡ ምስ ኣሳገርቲ ምትሕብባርን ምሽያጥ ሰባትን ከምዝካየድ ዝነበረ ይፈልጥ እንተኔሩ የጻሪ ኣሎ፥” ኽብሉ ኣብ ጸብጻቦም ይገልጹ።
ናብ ሮይተርስ ኣብ ዝሰደዶ ቓል፡ ኣፈኛ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝዀነ ኣሕመድ ቢን ሳልም ነቲ ኽስታት ብምንጻግ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ “ምስ ምስግጋር ሰባት ዘተእሳስ ፈጺሙ የብሉን፡” ይብል። ወሲኹ ድማ እቲ ጉጅለ፡ “ዘይሕጋዊ ስደት ይቃለስ ኣሎን ሓያሎ ኣስገርቲ ኣሲሩን እዩ፡” ይብል።
እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኣህጉራውያን ወኪላት ውድባት ብምጥቃስ በዓል መዚ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደት ሊብያ ኣብ ልዕሊ መዳጐኒ ማእከላቱ ዝዀነ ይኹን ቍጽጽር ከምዘይብሉ ኣሚቱ። ነዚ፡ ንኣሽቱ ነናይ ከባቢኡ ዕጡቓት ጉጅለታት ነቲ ዝነበሩሉ መዳጐኒ ማእከላት ይቈጻጽርዎ ኸምዝነብሩ ናይ ዝገለጹ ስደተኛታት ምስክርነታት የድምቖ።
ሓደ ናይቲ መንግስቲ ሚኒስተር፡ “ኣብ ምቍጽጻር ዋሕዚ ስደተኛታት እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ካብ መንግስቲ ይሕይሉ፥” ኽብል ተኣሚኑ።
እቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሰደደ 157 ገጻት ዘለዎ ስቱር ጸብጻብ፡ ዋህዮታት ዳዕሽ ኣብ 2016 ኣብ ሲርት ተሳዒሮም ክነሶም ገና ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ሊብያ ይነጥፉ ኸምዘለዉን ኣብ ደቡብ ሊብያ ኣብ ዝርከብ ንግዲ ምስግጋር ስደተኛታት ክሕወሱ ይደልዩ ኸምዘለዉን ይገልጽ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ