ኣህጉራዊ ውድብ ስደት (IOM) ኣብ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተዓግቱ 371 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ይመልስ
ጨናፍራት ኣህጉራዊ ውድብ ስደት (IOM) ኣብ ሊብያን ቱኒዝያን ፣ ኣብተን ሃገራት ተዓጊቶም ኣብ ሕሰም ወዲቖም ንዝጸንሑ ዜጋታት ሃገራት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝኾኑ ልዕሊ 372 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሰሙናት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ነናብ ሃገሮም መሊሰንኦም።
ኣተን ጨናፍራት፡ ነቲ ዝተዓግቱ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስራሕ ብመንገዲ’ቲ ወለንታዊ ናይ ምምላስ መደብ ዝብል ስም ተዋሂቡዎ ብሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝምወል ዘሎ ዕማም ኣየን ኣሰላሲለንኦም ዘለዋ።
ጨንፈር ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ሊብያ ፡ 171 ናይጀራውያን ስደተኛታት ብ 7 መጋቢት ብነፋሪት ናብ ሃገሮም ክምለስ ኣንከሎ፡ ኣብ ዝሰዓበ 9 መጋቢት ድማ 141 ጋምቢያውያን ስደተኛታት ኣብጺሑ። ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻብ እቲ ጨንፈር ፡ ናባዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመን ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብ ኮይኖም ዝጸንሑን 13 ስደተኛታት ኣብ ሞንጎ እቶም ተመለስቲ ምንባሮም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ካብ ተመለስቲ፡ ግሎርያ ዝተባህለት ጓል 23 ዓመት ናይጀርያዊት ስደተኛ ምስ በዓል-ቤታ ናብ ሊብያ ካብ እትኣቱ ብተደጋጋሚ ከምዝተዳጎነት ክትገልጽ እንከላ ፣ ማሪስ ዝተባህለት ካልእ ስደተኛ’ ድማ ፡ ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደ ትካል ስነጽባቐ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊትን ኣብ ትሕቲ ባርነታዊ ኣተሓሕዛን ነዊሕ ከምዝተመዝመዘት ተረድእ።
ጨንፈር ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ሊብያ ምስ መንግስታት ናይጀርያን ጋምቢያን ብዘቃነዖ ሓባራዊ ስራሕ’ዮ ነቶም ግዳያት ዘይሕጋዊ ስደት ዝኾኑ ወገናት ነናብ ሃገሮም መሊሱ።
እቶም ተመለስቲ ምስ ማሕበረሰቦም ክወሃሃዱ ዘኽእሎም መደባትን ንኡሳን ወፍርታት ከካዉኑ ዘበግሶም ዕድላትን ክቕረበሎም ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቶም መደባት መንግስቲ ጥልያን ከምዝምዉሎም እውን ይንገር።
ብተመሳሳሊ ጨንፈር ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ቱኒዝያ ፡ ኣብ ተማሳሳሊ ኩነት ዝርከቡ ዜጋታት ሰኔጋል፡ ጒኒ፡ ጫድን ኣይቮሪኮስትን ዝኾኑ 61 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብ 7 መጋቢት ነናብ ሃገሮም ከምዝመለሰ ተፈሊጡ። እቶም ስደተኛታት ኣቐዲሞም ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኣብታ ሃገር ብዝኸርር ዘሎ ጸጥታውን ድሕነታውን ውድቀት ተዳፊኦም ናብ ጎረቤት ሃገር ቱኒዝያ ዝሃደሙን፡ ኣብት ትሕቲ ጨንፈር ቀይሕ-ኮኾብ ቱኒዝያ ንግዜኡ ተዓቚቦም ዝጸንሑን ምዃኖም ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ሊብያ ተደጋጋሚ ጸጋማት ድሕሪ ምሕላፍ ናብ ሃገሩ ብሰላም ተመሊሱ ሓድሽ ሂወት ክፍልም ምኽኣሉ ኣዚዩ ከምዘሐጎሶ ዝገለጸ ሞሓመድ ዝተባህለ ሰኔጋላዊ ተመላሲ ፡ ኣብ ጃልባ ተጻዒንካ ናብ ኤውሮጳ ክትበጽሕ ኣዚዩ ከቢድን ንሂወትካ ዝፈታተንን ከምዝኾነ፥ እዚ ድማ ንነብሱን ስድራኡን ፍታሕ ከምዘይከውን ተረዲኡ ደጊም ነቲ ኣስጋኢ ስጒምቲ ከምዘይቀርቦ የተሓሳስብ።
እዋናዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ከምዘነጽሮ፡ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ሊብያ ይንህር ካብ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ንምርሓቕ ናብ ቱኒዝያ ዝሃድሙ ዘለውን፡ ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ውድብን ካልኦት ሰብኣውያን ኣካላትን ብምጽናሕ ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ወለንታዊ ጠለባት ዘቕርቡ ዘለውን ስደተኛታት ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ዛዪዱ ከምዘሎ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ