ናብ ኤውሮጳ ብዛዕባ ምስጋር ዝወጸ ናይ ሓሶት ወረ ናብ ኒዠር ስደተኛታት የውሕዝ

ናብ ኤውሮጳ ኸም ድላይካ ናይ ምኻድ ዕድል ከምዝተረኽበ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ወረታት ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ናብታ ኣብ ኒዠር እትርከብ ከተማ ኣጋዴዝ ከምዝውሕዙ ይገብር ከምዘሎ ኢንፎማይግራንትስ ዝተባህለ ገጽ መርበብ ሓቢሩ።
ሓደ ኻብቲ ወረታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስደተኛታት ብዘይሕቶ ኻብ ኣጋዴዝ ናብ ኤውሮጳ ኸምዘግዕዝ ዘሎ ዝገልጽ ኰይኑ ብዙሓት ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ስደተኛታት ናብታ ኣብ ምድረበዳ እትርከብ ሃገር ንኽመጹ ይደፍእ ኣሎ።
ከንቲባ ኣጋዴዝ ዝዀነ ሪሳ ፈልቱ፡ “ሓደ ዝተቓለለ ኣገባብ ምሕታት ዑቕባ ኣሎ ኢሎም ስለዝኣምኑ ካብ ኩሉ ሃገራት እዮም ስደተኛታት ናብ ኣጋዴዝ ዝውሕዙ ዘለዉ፡” ይብል።
“ካብዞም ሓደስቲ ስደተኛታት ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ካብ ሱዳን፡ ካብ ቻድን ብዙሓት ካልኦት ዜጋታትን ከምዝርከብዎም ሰብ መዚ መንግስቲ ሓቢሮምኒ፡” ትብል ኣብቲ ቦታ እትቕመጥ ወኪል ዶቸ ቬለ ቲላ ኣማዱ።
“ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስደተኛታት ካብ ኒዤር ይውሰዱ ኸምዘለዉ ምስኣንበቡ፡ ንዓታቶም’ውን ከምኡ ኽግበረሎም ዝኽእል ዝመስሎም ኣለዉ፡” ትብል ኣባል ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሉዊዝ ዶኖቫን።
ዶኖቫን፡ እቲ ወረ ኻበይ ከምዝተበገሰ ኸተብርህ ከላ፡ ሕቀኛ ሓበሬታ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክሰጋገር ከሎ እናተለወጠ ኸምዝኸይድን፡ ኣብ መወዳእታ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ከምዝኸውንን ተረድእ።
“ብመሰረቱ ኸምዚ እዩ ኣጋጢሙ፦ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምድሓን ዝጀመሮ መደብ ኣሎ። እዚ ንኣዝዮም ተሃሰይቲ ዝዀኑ ስደተኛታት ጥራይ እዩ። ከም ክፋል ናይቲ መደብ ናብ ኒዤር ንግዚኡ ኣግዒዝና ክሳብ ፍታሕ ዝርከብ ከነጸብዮም ጸኒሕና፡” ትብል ዶኖቫን።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሕዳር ጀሚሩ 1,084 ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፡ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተበገሱ ስደተኛታት ኣውጺኡ ኣሎ።
ተቐማጦ ኣጋዴዝ በቲ ሓድሽ ዋሕዚ ይሽገሩ ኣለዉ። ዑመር ካታ ዝተባህለ ተቐማጢ እታ ኸተማ፡ ናብ ኣጋዴዝ ዝመጹ ስደተኛታት ነታ ድኻ ኸተማ ጾር ከምዝዀኑ ይገልጽ። “ከም ሆስፒታላትን ናይ ጽሬታ መሳለጢታትን ዝኣመሰለ ንተቐማጦ ዝኣክል ትሕተ ቕርጺ የለን። ዝኣክል ህዝባዊ ኣገልግሎታት ፈጺሙ የለን። ነዞም ዝመጹ ዘለዉ ስደተኛታት ዝኸውን ትሕተ ቕርጺ ይርከብ’ዶ፧” ይብል።
ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ዝዀነ ሊዮናርድ ዶይል፡ “መብዛሕትኦም እቶም ናብ ኒዤር ዝመጹ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም። ክንጸጉ እዮም። ዑቕባ ንምርካብ ተስፋ የብሎምን፡” ይብል።