ኣብ ቀዳሞት 10 መዓልታት 2018 ህይወት 192 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይጠፍእ
ዓባይ ጃልባ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ እንዳጠሓለት። ስእሊ፥ ሲቢሲ
እዋናዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ፡ ኣብ ቀዳሞት 10 መዓልታት ናይ’ዛ ሓዳስ ዓመት ልዕሊ 200 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ከባቢ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ስኢኖም ወይ ድማ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ኣረዲኡ። እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ነዚ ዝገለጸ ድሕሪ’ቶም ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥሪ ዘጋጠሙ ደሃይ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ዘጥፈኡ ክልተ ሓደጋታት ጀላቡ፡ ኣብ ካልኣይቲ ሰሙን እታ ወርሒ’ውን ደሃይን ህይወትን ከባቢ ካልኦት 100 ስደተኛታት ዘጥፍኡ ተመሳሳሰልቲ ሓደጋታት ድሕሪ ምጉናፎም እዩ።
እቲ ኣህጉራዊ ውድብ፡ ዛጊት ኣብ ማያዊ መስመር ሊብያ-ጥልያን ህይወት 81 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጠፊኡ ምህላው ከምዘረጋገጸን፡ ደሃይ ናይ ልዕሊ 100 ካልኦት ድማ ከምዘይተረኽበን እዩ ሓቢሩ ዘሎ።
ብ 9 ጥሪ 19 ደቀንስትዮ፡ 243 ደቂ-ተባዕትዮን 17 ህጻናትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 279 ስደተኛታት ኣሳፊረን ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝወደቓ ሰለስተ ናይ ፕላስቲክ ጀላቡ ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከምዝተረድኣ ይግለጽ። እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ደሃይ ልዕሊ 100 ምስኣቶም ዝነበሩ ስደተኛታት ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ።
“ኣብ ቀዳሞት 10 መዓልታት ናይ 2018 ልዕሊ 700 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ክርድኡን ክቕየዱን ፡ ከምኡ’ድማ ህይወት ሓያሎ ወገናት ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ምርኣይ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ፡” ይብል ሓላፊ ጨንፈር ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጨንፈር ሊብያ ኣቶ ዑስማን በልቤሲ።
ኣብ ምልላይ ደሃይ ዘጥፍኡ ስደተኛታት ዝነጥፍ ክፍሊ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣውጺእዎ ዘሎ ሓበሬታ እውን፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ማእከላይ ባሕሪ ብ 9 ጥሪ ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣትዮም ዝነበሩ 43 ስደተኛታት ከምዝደሓነን ሬሳ ሰለስተ ካልኦት ድማ ድሒሩ ከምዝተኣከበን የረድእ። ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ወገናት ከምዘነጸርዎ፡ ደሃይ ናይ 8 ሰባት ጠፊኡ ምህላው እዩ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ክፍሊ፡ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ቀዳሞት 11 መዓልታት ናይ ወርሒ ጥሪ ጠፊኡ ናይ ዘሎ ህይወት ስደተኛታት ቊጽሪ 16 ከምዝበጽሕ እዩ።
ኣብ ቀዳሞት 10 መዓልታት ናይ 2018 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ዘሎ ህይወት 192 ስደተኛታት- ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝጠፍአ ሂወት 12 ሰባት ክነጻጸር እንከሎ ኣዚዩ ልዑልን ኣሰንባዲን ምዃኑ’ዩ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ዝሕብር።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ