ኣብ ገማግም ቱኒዝያ ናይ ኣስገርቲ ጃልባ ምስ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ብምግጫዋ ዓሰርተታት ስደተኛታት ሞይቶም

ስእሊ፥ ኤይ ኤፍ ፒ

ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ጃልባኦም ምስ ሓንቲ መርከብ ሓይሊ ቱኒዝያ ካብ እትጋጮ ንልዕሊ ሰሙን ጠፊኦም ናይ ዝቐነዩ ስደተኛታት 26 ሬሳታት ብምርካቡ፡ ጠቕላላ ቝጽሪ ዝሞቱ 34 በጺሑ ኽብል ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ብ8 ጥቅምቲ፡ 54 ኪሎሜተር ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ርሒቑ፡ ሓንቲ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ምስ ሓንቲ 80 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ምስተጋጨወት እዩ ኣጋጢሙ።

እታ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብታ ጃልባ ተጻዒኖም ዝነበሩ ንምርኣይ ምስቀረበት እዩ እቲ ግጭት ኣጋጢሙ።
ኣብቲ እዋን ሰብመዚ ማልታ፡ ብምትሕግጋዝ ሓይልታት ባሕሪ ኢጣልያን ቱኒዝያን ወፍሪ ምድሓን ህይወት ብምክያድ 38 ድሒኖም፡ 8 ኸምዝሞቱ ሓቢሮም።
ሰሙን ድሕሪ እቲ ግጭት ሓንቲ ናይ ምድላይን ምድሓንን ህይወት መርከብ ቱኒዝያ ስብርባር ናይታ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ምስረኸበት፡ ኣብ ውሽጢ ኽልተ መዓልቲ ሬሳታት 26 ሰባት ኣውጺኣ።

ሓደ ኻብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ንኤይ ኤፍ ፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብታ ጃልባ 90 ሰባት ከምዝነበሩ ምስ ምግላጹ፡ ልዕሊ ዕስራ ዝዀኑ ስደተኛታት ሞይቶም ወይ ኣብ ባሕሪ ጠፊኦም ከምዘለዉ ይግመት ኣሎ።