ሬሳታት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ገማግም ሞርኮ ይእከብ

 

ሬሳታት መብዛሕትኦም ካብ ትሕተሳሃራ ዝተበገሱ ልዕሊ 20 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብ3 ለካቲት ካብ ገማግም ባሕሪ ሞሮኮ ተኣኪቡ። ስጳኛዊት ጃልባ ነቲ ሬሳታት ምስረኣየት እዩ ሰብመዚ ሞሮኮን ስጳኛን ተሓቢሮም።

ኣፈኛ ናይታ ኣብ ብሞሮኮ እተኸበት ክፋል ስጳኛ ዝዀነት መሊያ፡ 20 ሬሳታት ኣብ ማያት ሞሮኮ ኸምዝተረኽበን፡ ስጳኛዊት ናይ ሓለዋ ጃልባ ዝረኸበቶ ሬሳ ውን ናብ መሊያ ኸምዝተወስደ ገሊጻ።
ሓደ ናይ ሕክምና ሓላፊ ን ኤይ ኤፍ ፒ ኸምዝገለጾ፡ እቲ ናይ ሰለስተ ኣንስቲ ዝርከቦ ሬሳታት ኣብ መጽንሒ ሬሳታት ክቕመጥ ናብ ሞሮካዊት ከተማ ናዶር ተወሲዱ።

“እቶም ዝሞቱ 21 ሰባት ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ተጻዒኖም ናብ መሊያ እዮም ዝጕዓዙ ኔሮም፡” ክትብል ሄለና ማለኖ ዝተባህለት ተጣባቒት መሰላት ካብ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ‘ዎኪንግ ቦርደርስ’ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ፥ ወሲኻ ድማ ቁጽሪ ተሳፈርቲ ዝለዓለ ኔሩ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ ዝደሓኑ ኸምዘየለዉን ኣረዲኣ።

ኣብ ጽባሕ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ መዓልቲ፡ ናይ ስጳኛን ሞሮኮን ጉጅለታት ምድሓን ህይወት ብኣየርን ብማይን ዝተረፉ ሰባት ክረኽባ ተስፋ ብምግባር ዳህሳስ ቀጺለን።

ክሳብ ቀረባ ግዜ፡ ስደተኛታት ናብተን ብሞሮኮ ዝኽበባ ናይ ስጳኛ መሊያን ሴውታንንምብጻሕ ብመሬት እዮም ዝጕዓዙ ኔሮም። ሰብመዚ ስጳኛ ኣብተን ክቡባት ዝርከብ ሓለዋ ምስኣትረርዎ ግና ብዙሓት ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ተሳጊሮም ክበጽሕወን ይፍትኑ ኣለዉ።

“ቅድሚ ሕጂ ዝበዝሑ ስደተኛታት ነቲ ናይ መሊያ ሓጹር ክሓዅርዎ እዮም ዝፍትኑ ኔሮም…ሕጂ ግና፡ ቍጽጽር ምስተረረ፡ ካብ ባሕሪ ጥራይ እዮም ክሰግርዎ ዝኽእሉ፡” ክብል ን ኤይ ኤፍ ፒ የረድእ ዑመር ናጂ ካብ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ሞሮኮ።

“ናብዚ ጕዕዞ ባሕሪ ንኽብገሱ፡ ስደተኛታት ንኣስገርቲ ክሳብ 3,000 ዩሮ ክኸፍልዎም ኣለዎም፡ እዚ ምጕዕዓዝ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣካላት መንግስቲ እዩ ዝካየድ፡” ድማ ይብል።

እቲ ኣብ ሊብያ ንስደተኛታት ዘጋጥሞም ሓደገኛ ዅነታት ንብዙሓት ስደተኛታት፡ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ካብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ደቡባዊ ስጳኛ ኽሰግሩ ክፍትኑ ደፋፊእዎም እዩ።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ 2018 ልዕሊ 243 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም ወይ ጠፊኦም ኣለዉ።