ኢትዮጵያ ስደተኛታትን ዝቕበልዎም ማሕብረሰባትን ዝድገፉሉ ሜላ ተተግብር

ስእሊ፡ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር/ ዲያና ዲያዝ። ሰራሕተኛ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኤር ንሓደ ስደተኛ ኤርትራዊ ህጻን ኣሰር ኣጻብዕቱ ኸስፍር ይሕግዞ።
ኢትዮጵያ ኣብ ምትግባር እቲ ንስደተኛታትን ንዘዕቍብዎም ማሕበረሰባትን ብእወታ ንምጽላው ዝወጸ ናይ 10 ዓመት ሓፈሻዊ ሜላ ኣተሓሕዛ ኹነታት ስደተኛታት ገስጋስ ተርኢ ኣላ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኽስርሓሉ ዝወጸ ኣገባብ ኣጠቓላሊ ፍታሕ ንጉዳይ ስደተኛታት፡ እታ ሃገር ነቶም ኣብ መስከረም 2016 ኣብ ኒው ዮርክ ዝኣተወቶም ትሽዓተ መብጽዓታት ንምትግባር ዝተተለመ እዩ። እቲ ስርዓተ-ኣገባብ ልምዓታውን ሰብኣውን ረድኤት ብምድላው፡ ንስደተኛታትን እቶም ዘዕቍብዎም ማሕበረሰባትን ብምኽሳብ፡ ጸናሒ ዝዀነ ፍታሓት ንምርካብ ዝዓለመ እዩ።
ኢትዮጵያ ካልኣይቲ ዝዓበየት ተቐባሊት ስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ብምዃን 900,000 ስደተኛታት ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ኣብ ዝርከባ 27 መዓክሰራት ተአንግድ ኣላ። ሰለስተ ርብዒ ካብ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ዝመጹ ክዀኑ ኸለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ካብ ኤርትራ፡ ሱዳንን ካልኦት 15 ሃገራትን ዝመጹ እዮም።
ኢትዮጵያ ነቶም ንጥቕሚ ስደተኛታት ዝዀኑ ትሽዓተ መብጽዓታት ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ብ20 መስከረም 2016 ዝተኻየደ ምስ ካልኦት ኰይና ዘአንገደቶ ዋዕላ መራሕቲ እያ ኣትያቶ።
ስደተኛታት ናብ ሕብረተሰብ ክጽንበሩ ንምኽኣል እቲ ትሽዓተ መብጽዓታት፡ ምዝርጋሕ ናይቲ ካብ መጽለሊ ወጻኢ ምቕማጥ ዘፍቅድ ኣተሓሕዛ ምስፋሕ፡ ፍቓድ ስራሕ ምሃብ፡ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ትምህርቲ ምብዛሕ፡ ስደተኛታት ዝረኽብዎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምምሕያሽ፡ ሕጋዊ ስነዳ ጉዳያት ስደተኛታት፡ ምፍቃድ ሕሳባት ባንክ፡ ምውናን ፍቓድ ምምራሕ መኪናን ኩሉ ብሕጋዊ ፍቓድ ኣብታ ሃገር ንዝቕመጡ ወጻእተኛታት ዝፍቀድ ዘበለ ጥቕምታት ንኽረኽቡ ምፍቃድን የጠቓልል።
“እቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት ዝተኸለሰ ንድፊ ሕጊ ምስጸደቐ፡ ኩሉ መልክዓት ናይቲ ትሽዓተ መብጽዓታት ብምሉእ ክትግበር ክጅምር እዩ፡” ይብል ምኽትል ኣካያዲ በዓልመዚ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣቶ ጀማል ዘይኑ።
ከም ልደት፡ መርዓ፡ ፍትሕን ሞትን ንዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ህይወት ዝምልከት ሕጋዊ ምዝገባ ስደተኛታት ኣብ ጥቅምቲ 2017 ዝጀመረ ዀይኑ፡ ን70,000 ዝዀኑ ኣብታ ሃገር ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝተወልዱ ህጻናት ንድሕሪት ቈጺሩ ኣብ ሕጊ ብዝውዕል ኣገባብ ክምዝገቡ ኣፍቂዱ።
ኣብ 2017 ዝጀመረ ስነስርዓት ምእካብ ኣካላዊ ሓበሬታ ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከቡ ስደተኛታት መሰረታዊ ሓበሬታ ይእክብ። እዚ ምእካብ ኣካላዊ ሓበሬታን ሕጋዊ ምዝገባን ስደተኛታት ካብቲ ኣገባብ ኣጠቓላሊ ፍታሕ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝፈጥሮ ተኽእሎታት ክኸስቡ ከኽእሎም እዩ።
ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብሪጣንያን ካልኦት ምንጭታትን ብዝተረኽበ ሓገዝ፡ እታ ሃገር ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ኢንዱስትርያዊ ደንበታት ብምህናጽ ንዞባዊ ቑጠባታት ከተዕብን ስደተኛታት ክትሕግዝን ሰርሕ ኣላ። እቲ ኣፍራዪ ገበላታት፡ 30% ካብኡ ንስደተኛታት ዝሕዛእ ክሳብ 100,000 ንዝበጽሑ ሰባት ስራሕ ክኸፍት እዩ።
እንተወሓደ 10 ሽሕ ሄክታር መሬት 20,000 ስደተኛታትን ኣዕቈብትን ስድራቤታት ኣብ ሕርሻ ኽነጥፋ ከኽእለን ክዕደል እዩ። እቲ ሕርሻዊ መደባት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ን20 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝጸንሑ ስደተኛታት ምስ ኣብ ከባኢኦም ዘሎ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ዘኽእል እዩ። ክሳዕ ሕጂ ሽሕ ሄክታር መሬት ን411 ስድራቤታት ኣብ ዞባ ሶማል ተዓዲሉ ኣሎ።
ጆን ማጎክ ዝተባህለ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣገባብ ኣጠቓላሊ ፍታሕ ንጉዳይ ስደተኛታት ንምርዳእ ዝተዳለወ ሃገራዊ ዘተታት ዝተሳተፈ ደቡብ ሱዳናዊ ስደተኛ፡ እቲ ስርዓተ-ኣገባብ “ህይወቶም ዝጥውሩሉ ዕድል ብምሃብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝግበረሎም ኣተሓሕዛ ዓቢ ለውጢ ኸምጽእ እዩ። ሓድሽ ህይወት ክጅምሩ ይኽእሉ፡ ካብኡ ድማ ድሕነትን ተቐባልነትን ክስምዖም፡ ኣብ ህይወቶም ተስፋ ክረኽቡ ይኽእሉ፡” ይብል።