መራሕቲ ሰልፍታት ኦስትርያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተረረ ፖሊሲ ይጽውዓ

ስእሊ፥ ቢዝነስ ኢንሳይደር። ፖሊስ ኦስትርያ ናብ ዶባዊት ከተማ ኒከልስዶርፍ ዝኣትዉ ሓደስቲ ስደተታት እንዳዓገቱ።

ንእዋናዊ ልፍንታዊ መንግስቲ ኦስትርያ ኣቚመን ዘለዋ ሰልፊ ክርስትያን ዶሞክራትስን ሰልፊ ናጽነትን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣዚዩ ተሪር ፖሊሲ ዘማሕድር መደብ ይጽውዓ ከምዘላዋ ተገሊጹ።

እተን መራሕቲ ሰልፍታት ተሊመንኦ ዘለዋ መደብ፡ ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ከም ተንቀሳቐስቲ ቴሌፎናት ዝኣመሰሉ ኤሌክትሮኒካዊ ዋንነት ሓደስቲ ስደተኛታት ሃጊሮም ንሓቀኛ መንነት እቶም ስደተኛታት ዘመልክቱ ሓበሬታታት ክእክቡ፥ ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ማሕፉዳኦም ዝጸንሐ ገንዘብ ተመንዚዑ ናብ ሓባራዊ ጥቕሚ ካልኦት ስደተኛታት ኽውዕል፡ ብመንግስቲ ዝወሃብ ማሕበራዊ ደገፍ ድማ ነቶም ኣብ’ታ ሃገር ብስራሕ ይዂን ኣገልግሎት ዝኾነ ነገር ዛጊት ዘየበርከቱ ስደተኛታት ክስረዝ ዘኽእል ኮይኑ እዩ ተሰሪዑ ዘሎ።
እተን መራሕቲ ሰልፍታት ነቲ ተሊመንኦ ዘለዋ ቀይድታት ኣብ 180 ዝገጻቱ ሓባራዊ ሰነድ ኣስፊረንኦ ኣለዋ።

ሓድሽ ቻንስሎር ኦስትርያ ሰባስትያን ኩርዝ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ገለ ስደተኛታት ክስርዞ ሓሊኑ ዘሎ ማሕበራዊ ደገፍ ክዛረብ እንከሎ፡ “ እቶም ኣሽሓት ኤሮ ብመንግስቲ እንዳተዶጎሙ ኣብዛ ሃገር ንሓንቲ መዓልቲ’ኳ ሰሪሖም ዘይፈልጡን ናብ ማሕበራዊ ረብሓ ዝወፍር ኣታዊታት ዛጊት ዘይገበሩን ስደተኛታት ዝወሃብ ማሕበራዊ ደገፍ ክህሉ ኣይኮነን፡” ይብል።

“ እዚ ለውጢ እዚ ኣብ ዝመጽኣ 5 ዓመታት ኽንርእዮ ንብህጎ እዩ። ማእከላይ ዕላማና ንጹርዩ፡ ንኸፋሊ ግብሪ ዝኾነ ክፋል ህዝብና ጾሩ ከነቃልል፡ ኣብ ዓለም ዘሎና ቆመና ከነሐይል፡ ማሕበራዊ ስርዓትና ከነድሕን፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ቃልስና ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ኣሐዪልና ሃገራዊ ጸጥታና ከነውሕስ፡” ይብል ቻንስሎር ኩርዝ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሓለፋ ዓብላሊ መራሒ ሰልፊ ክርስትያን ደሞክራትስ ዝተረረ ኣረኣእያ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ካልኣይ መራሒ ሰልፊ ናጽነት ንሚኒስትሪታት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ምክልኻልን ወጻኢ ጉዳያትን ክመርሕ ምዃኑ እዩ ዝሕበር። እዚ ማለት ድማ ሰልፊ ናጽነት ንጉዳይ ኤሚግሬሽን፡ ስደተኛታት፡ ገበንን ሽበራን ክከታተሎ እዩ።
ኦስትርያ ምስተን ንምምቓል’ቶም ኣብ ጥልያንን ግሪኽን ዝርከቡ ስደተኛታት ዘይቅበላ ሃንጋሪን ፖላንድን ምዃና ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ድሕሪ ቃለ ማሕላኡ ነቲ መርገጺ ደጊሙ ኣነጺሩዎ ኣሎ።