ኣይ ኦ ኤምን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ይመልሳ
ካብ ሊብያ ዝተመልሱ ኣይቮራውያን ስደተኛታት ኣብ መዐርፎ ነፈርቲ ኣቢጃን
ስእሊ፦ ኤ ኢፍ ፒ
ዜና መሸጣ ባራዩ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝጋውሓሉ ዘሎ እዋን፡ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዜጋታትተን ካብታ ሃገር ይመልሳ ኣለዋ።
ብ21 ሕዳር ኣብ ኣብ ኣቡጃ ናይጄርያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቁጠባዊ ማሕበረኮም ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ፕረሲደንት ሴኔጋል ማኪ ሳል ኣብ ሊብያ ዝተደርበዩ ዜጋታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራቶም ንምምላስ ሓባራዊ ተበግሶ ኽብገስ ጸዊዑ።
ቡርኪና ፋሶ ኣብ ሊብያ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ናብ ሃገሩ ኽምለስ ክትእዝዝ ከላ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣፍደገታት ኤምባሲታት ሊብያ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ መሸጣ ባራዩ ዝቃወም ሓያሎ ሰልፍታት ተኻይዱ።
ኣብ ካልኣይ ሰሙን ሕዳር፡ ብፍቓዶም ብምትሕብባር ውድባትን መንግስታትን ንዝምለሱ ኣብ ሊብያ ተደርብዮም ዝነበሩ 135 ዜጋታት ቡርኪና ፋሶ ክምለሱ ጕዕዞ ኽውደበሎም ከሎ፡ 155 ዜጋታት ኣይቮሪ ኮስት ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ሕዳር ተመሊሶም።
እቶም ኣይቮራውይና ተመልስቲ ኣብ ሊብያ ዕዳጋታት ባራዩ ኸምዘሎ ኣረጋጊጾም። ዲያብዝ ባባ ዝተባህለ ካብ ትሪፖሊ ዝተመልሰ ስደተኛ፡ “ኣብ ሊብያ ኣፍሪቃውያን ይሸጡ እዮም፡ ሰብኡት ይሸጡ እዮም ኣብኡ። ዋላ ደቂ 15 ዓመት ሊብያውያን፡ ኣብ መኪንኦም ኰይኖም፡ ተዓጢቖም፡ መጺኦም ይጨውዩኻ፡ ብ200 ወይ 100 ዲናር ይሸጡኻ፡ ሽዑ ኸኣ እቶም ካልኦት ምሊሶም ይሸጡኻ፡ ከምኡ’ዩ እቲ ሃቂ፡” ይብል።
መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ክልተ እብረ በረራ ዝተመልሱ ቡርኪናውያን ስደተኛታት ንሰራሕተኛታት ኣይ ኦ ኤም ካብ ሊብያ ኤውሮጳ ኽበጽሑ ይደልዩ ኸምዝነበሩ ገሊጾምሎም።
“ኤውሮጳ በጺሐ ንስድራይ ካብ ድኽነት ከውጽኦም ዝኽእል ገለ ነገር ክገብር እደሊ ኔረ። ባጋደዝ ናይ ኒዤር ኣቢለ ምድረበዳ ሰጊረ ሊብያ በጺሐ። ኣብ ሊብያ ሸሞንተ ወርሒ ጌረ፡ ሾብዓተ ወርሒ ኻብኡ ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፈዮ። ናይ ብሓቂ ዘስካሕክሕ ኩነታት እዩ ኔሩ፡” ይብል ደምበለ ሙስጠፋ ዝተባህለ ሓደ ኻብቶም ንኣሽቱ ተመለስቲ።
“ሕጂ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ህይወተይ ንኽጅምር ንዝተገብረለይ ደገፍ አመስግን። ኩሉ ገንዘበይ ኣጥፊአዮ፡ ብዘይ ሳንጣ እየ ተመሊሰ፡” ድማ ይብል።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ