22 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም የመን ደሃዮም ይጠፍእ

ስእሊ፥ ኣይ.ኦ.ኤም። ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ 2015 ዝደሓኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት
ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ ለካቲት ፡ ብውሕዱ 22 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም የመን ደሃዮም ከምዝጠፍአ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ካብተን ካብ ገማግም ሶማል ኣሳፊረንኦም ዝተበገሳ ጀላቡ ናብ ባሕሪ ክዘሉ ብኣሰጋገርቲ ድሕሪ ምግዳዶም እቲ ሓደጋ ከምዝሰዓበ ይንገር።
ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ የመን ብምእታው ሻቡ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ከምርሑ ደሃዮም ናይ ዝስወር ዘሎ ስደተኛታት ብዝሒ ይዛይድ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ ፡ እዚ ኣብ ፈላሚት ሰሙን ወርሒ ለካቲት ዘጋጠመ ሓደጋ ናይ ቀረባ ኣብነት ኮይኑ ኣሎ።
ዳይረክተር ስርሒታትን ህጹጽ ሓደጋን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ የመን ኣቶ መሓመድ ዓብዲከር ኣብ ትዌተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣብተን ካብ ሶማል ዝተበገሳ ኣርባዕተ ጀላቡ ተሳፊሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ከባቢታት ዞባ ሻብዋ ናይ የመን ምስ ቀረቡ፡ ካብተን ጀላቡ ክዘሉን ሓንቢሶም ናብ ገማግም እታ ዞባ ክበጽሑን ብኣሰጋገርቲ ድሕሪ ምግዳዶም እቲ ሓደጋ ከምዝሰዓበ ኣረዲኡ።
“ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ምስ በጽሑ ካብ ጃልባ ወሪዶም ዓሞቚቲ ማያት ብምሕንባስ ናብ የመን ክበጽሑ ብኣሰጋገርቲ ከምዝግደዱ ንፈልጥ ኢና። ድሮ ኣብ’ዚ ናይ ቀረባ ሓደጋ ዝተረኽበ ሬሳታት ስደተኛታት’ኳ እንተዘየለ ፡ ኣበየ ህላዌ ናይ 22 ካብቶም ኣብተን ኣርባዕተ ጀላቡ ተሳፊሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ግና ዛጊትኣይተነጸረን ኣሎ፡” ይብል ወሃብ ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣቶ ጆል ሚልማን ኣብ ከተማ ጀኔቭ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ።

ንሱ ወሲኹ፡ ጸጥታዊ ቅልውላው ኣብ የመን ሰሪቱ እንዳሃለወ እታ ሃገር ካብ ቀንዲ መተሓላለፍቲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኮይና ትቕጽል ከምዘላን ቀጻሊ ሓደጋታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ይኽሰት ከምዘሎ ዘነጽሩ ሓበሬታታት ብተደጋጋሚ ይወጽእ ምህላውን የተሓሳስብ።

ኣብተን ኣርባዕተ ጀላቡ ከባቢ 600 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ዝጠቐሰ ኣቶ ሚልማን፡ ክንድኡ ዝኣክል ብዝሒ ኣብ ሓደ እዋን ናብ የመን ክኣቱ ሓድሽ ተርእዮ ምዃኑ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ’ውን ኣብ ማያዊ ገማግም የመን ሓንቲ ጃልባ ብምግምጣላ ኣብኣ ካብ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ልዕሊ 30 ህይወቶም ስኢኖም’ዮም።
ኣብ 2017, ከባቢ 87,000 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ከምዝኣትው’ዩ ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝወጸ እዋናዊ ጸብጻብ ዘረድእ። እቲ ውድብ ብተደጋጋሚ ነቶም ካብ ከም ኢትዮጵያን ሶማልን ናብ የመን ዘምርሑ ስደተኛታት ንሓደጋኝነት እቲ ጉዕዞ ኣመልኪቱ ቀጻሊ ሓበሬታን መጠንቀቕታን ኣብ ምሃብ ይርከብ።ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ጸጥታዊ ነውጺ ናብታ ሃገር ንዝኣትው ስደተኛታት ግዳያት ኩሉዓይነታዊ ምዝመዛን ግህሰትን ይገብሮም ከምዘሎ እውን እቲ ውድብ ይሕብር።