ጂቡቲ ኣብ ምሕደራ ስደተኛታት እትኽተሎ ፖሊሲ ተሞጊሱ

ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ቅድመ-ማባእታዊት ቤት ትምህርቲ ዋዳጂር ናይ መዓስከር ዓሊ-ዓደሕ። ስእሊ፥ ዩኤን ኤች ሲ ኣር/ ፐተሪክ ዊገርስ
ሓላፊ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ ነቲ ጂቡቲ ኣብ ምውሓስ መሰረታዊ ጠለባት ስደተኛታት እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ኣመስጊኑ። እቲ ሓላፊ ምስጋናኡ ዝገለጸ ድሕሪ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ኣጻምእ ጂቡቲ ተዶኪኑ ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዓሊ-ኣደሕ ዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ እዩ።

እቲ ኣብ ምፍላም ጸጥታዊ ውድቀት ሶማል ኣብ 1992 ዝተኸፍተ መዓስከር ኣብ’ዚ እዋ እዚ ልዕሊ 15,000 ስደተኛታት ኣጽሊሉ ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ’ቲ መዓስከር ዝተወልዱ እዮም።

ኮምሽነር ግራንዲ ፡ መንግስቲ ጂቡቲ ንልዕሊ 27,000 ካብ ሶማል፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ስደተኛታት ከዑቅብ ምኽኣሉ ብምምስጋን፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ኩለን መዓሰከራት ስደተኛታት ከም ዓድልታት ክፍለጣ ምውሳኑ ሓላፍነታዊ ውሳኔ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

“ እዚ ኣዚዩ ገዚፍ ጥቕሚ ዘለዎ ተበግሶ እዩ። እቲ ምንታይ ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ነጻ ናይ ምንቅስቓስ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ስራሕን ዕድላት ክረኽቡ ዘኽእል ብምዃኑ፡” ይብል ኮሚሽነር ግራንዲ።

ንሱ ወሲኹ፡ ጂቡቲ ንስደተኛታት ክፍቲ ኮይና ትቕጽል ዘላ ሃገር ከምዝኾነት፡ ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ኣዋርሕ መንግስቲ እታ ሃገር ዘማሕድሮም ዘሎ ፖሊሲታት ስደተኛታት ግና ሓለፋ ካልእ እዋን ኣገዳስነት ከምዘለዎም ኣረዲኡ።

ኮሚሽነር ግራንዲ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተቓንዐ ዞባዊ ኮንፈረንስ ትምህርቲ እውን ምስታፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ጂቡቲ እትርከበን 8 ሃገራት ምብራቓዊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ከተማ ኒውዮር ድሕሪ ዝተቓንዐ ዋዕላ ስደተኛታት ካብ ዝተሰርዑ ቆልዑ ስደተኛታት ተረባሕቲ ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ተዓቒቦሙላ ዘለው ሃገር ንምግባር ዘኽእል መርሓ ተቐቢለን ይጽዕታ ምህላወን ይንገር።

“እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ወፍሪ እዩ። እቲ ምንታይ ዕድል ትምህርቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ጥራይ ዘይኮነ ፡ ንክብረትን መንነትን እቶም ስደተኛታት ኣውሒሱ ኣብ መጻኢ ተወዳደርቲ ክኾኑ ዘክእል ወፍሪ’ውን’ዩ፡” ይብል ኮሚሽነር ግራንዲ።

መንግስቲ ጂቡቲ ድሮ ስደተኛታት ብቛንቋ እንግሊዝ ኣጀሚሩ ናብ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ዘጸንብር ፖሊሲ ኣተኣታትዩ ይሰርሕ ከምዘሎ ይንገር።

“እዚ ተኣታቲዩ ዘሎ ፖሊሲ ትምህርቲ ኣዚዩ ገስጋሲን ነቶም ኣብ ጂቡቲ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ዕድላት ዝፈጥርን እዩ፡” ይብል ኣብ መዓስከር ዓሊ-ዓደሕ እትርከብ ቅድመ-መባእታዊት ቤት ትምህርቲ ‘ወዳጂር’ ከም መምህር ሕሳብን ቋንቋ እንግሊዝን ኮይኑ ዝሰርሕ ኣቶ ኣንጎሶም ተስፉ።

ንሱ ወኢኹ፡ ኣገዳስነት ትምህርቲ ኣብ’ዚ ዘመን እዚ ኣዚዩ ልዑል ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ ህጻናት ስደተኛታት ኣብ ጂቡቲ ክሳዕ ዝሃለው፡ ብስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ሓሊፎም ብቚዕ ወረቐት ምስክርነት ክውንኑ እዋኑ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኮሚሽነር ግራንዲ’ውን ኣብ መወዳእታ ፥ ካብ ዝነኣሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ጂቡቲ ምስ ዘሎዋ ኣዚዩ ትሑት ባህርያዊ ጸጋታት ኣብ ምሕደራ ስደተኛታት ተመዝግቦ ዘላ ዓወት መሪሕ ብምዃኑ ፡ “ጂቡቲ ንዓለም ኣብነት እያ” ክብል ወዲሱ።