ሊብያዊ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣብ ምውሓስ ጸጥታዊ ርግኣት ሃገሩን ምግታእ ዘይሕጋዊ ስደትን ሓይሊ ንጠቐም ይብል
ስእሊ፡ ሞሓመድ ኤልሼኺ /ኣሶሼትድ ፕረስ
ኣብ ሊብያ ሰሪቱ ዘሎ ጸጥታዊ ውድቀት ብሰላማዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ክፍታሕ ዝሓሸ’ኳ እንተኾነ ፡ እቲ ሽግር መዓልቦ ኽረክብ ሓይሊ ምጥቃም ተመራጺ ምዃኑ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ጀነራል ኻሊፋ ሓፍጣር ሓቢሩ።
ሊብያ ድሕሪ ምእላይ ሞዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ኣብ ከቢድ ጉጅለኣዊ ክርፍስን ጸጥታዊ ቅልውላውን ተሸሚማ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ዝፈጠሮ ሃጓፍ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋርን ደቅ-ሰብ ብልዑል ናህርን ሰፊሕ ዝርገሐን ክራብሓ ከምዝገበረ እዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ። እተን መርበባት ካብ 2011 ዛጊት ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ኣስጊረን ምህላወን ዝለጽ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብከም ጥልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምድቓቕ እተን ዘይሕጋውያን መርበባት ደሓን ዝኾነ ዓወታት ይምዝገብ ምህላው ይንገር።
እቲ ሊብያዊ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ምስ ኢጣልያዊት ጋዜጣ ኮሪየሪ ዴላሴራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ሃገሩ ንግብረሽበራን ምስኡ ዝተሓሓዝ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ዘይኮነት ብሓይሊ ብረት ተውድቖ ከምዘላ እዩ ኣዘኻኺሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ጥልያን ሮቤርቶ ፒኖቲ ንሓይልታት ሊብያ ብዝሰፍሐ ንምስልጣን ተሰማሚዑ ከምዘሎ ጠቒሱ ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ምግታእ የገድሰን እንተሃልዩ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ጸኒዑ ዘሎ ኣገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኽለዓል ክጽዕታ እዋናዊ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።
ሰራዊቱ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘለዎም እዋናዊ ብቕዓት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጀነራል ሓፍጣር፡ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ነቲ ካብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ናብ ማያዊ ገማግም ዘምርሕ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ክገትእ እዂል ዓቕሚ ሰብ ከምዘሎ ጠቒሱ ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ሄሊኮፕተራት፡ ናይ ድምጽን ስእልን መጸናጸኒ መሳርሒታት፡ ከምኡ’ውን ተሽከርከርቲ ብሓገዝ ክቕርባ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
መንግስቲ ጥልያን ነቶም ኣብ ምዕራባዊ ማያዊ ከባቢታት ሊብያ ዝነጥፉ ዕጡቓት ጉጅለታት ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቅ-ሰብ ኣብ ምቅላስ ናብ ዝነጥፋ ኣሃዱታት ንምቕያረን ዝኽተሎ ዘሎ ባዕላዊ ኣካይዳ ዘለዎ ተቛውሞ ዝገለጸ ጀነራል ሓፍጣር፡ እቲ ኣካይዳ ግጉይ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ብዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ኣቐዲሙ ዝወጸን መንግስቲ ጥልያን ግና ሻቡ ዝነጸጎን ሓበሬታ ከምዘምልክቶ ፡ መራሒ’ቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ዝሓየሉን ዝገዘፉን ጉጅለ ኣሰጋገርቲ ምንባሩ ዝንገረሉ ብ ‘ብርጌድ ኣናስ ኣልዳባሺ’ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ጉጅለ ነተን ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ናብ ጥልያን ዘብላ ጀላቡ ድው ንኸብል ካብ መንግስቲ ጥልያን 5 ሚልዮን ኤሮ ምቕባሉ እዩ።
ሓያሎ ወገናት ከምዝገልጽዎ ግና፡ ‘ብርጌድ ኣናስ ኣልዳባሺ’ ካብ መንግስቲ ጥልያን ናይ ወግዓዊ ኣፍልጦን ቊጠባዊ ደገፍን መብጸዓታት ስለዝተዋህቦ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት ካብ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተኣልዩ ኣብ ምህዳን እተን ካብ ገማግም ሊብያ ዝብገሳ ጀላቡ ተዋፊሩ ብምህላው ቊጽሪ’ቶም ናብ ማያዊ ገማግም ጥልያን ዝበጽሑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብርኡይ ጎዲሉ ከምዘሎ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ