ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 40 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ይኣስር
ስእሊ፥ ሻተርስቶክ። ናይ ኮለላ ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ግብጺ
ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ፡ ሓለዋ ባሕሪ ግብጺ ካብ ምብራቓዊ ከባቢታት ከተማ ካይሮ ናብ ኣለክሳንድያ በጺሖም ማእከላይ ባሕሪ ክጥሕሱ ዝመደቡ ኣስታት 40 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ቀይዶም።
ብመሰረት ዕለታዊት ጋዜጣ ግብጺ ‘ኢጂፕት-ቱደይ’፡ እቶም ንኣሰጋገርቲ ገንዘብ ከፊሎም ናብ ማያዊ ከባቢታት እታ ሃገር ክበጽሑ ዝመደቡ ስደተኛታት ድሕሪ ቀይዲ ናብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሃገራዊ ባይቶ ግብጺ ንዘይሕጋዊ ስድትን ምስግጋር ሰባትን ዝቖመ ሕጊ ኣጽዲቚ ፡ ስደተኛታት እንዳሰጋገሩ ንሂወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ፡ ደቀንስትዮን ቆልዑን ስደተኛታት ዘሰጋግሩ፡ ከምኡ’ድማ ሰነዳት እንዳተምየኑ ንመንነት ስደተኛታት ዝሓባብሉ ገበነኛታት ገዚፍ ገንዘባዊ መቕጻዕቲን ዝተናውሐ ማእሰርቲን ሰሪዑ ምህላው ይንገር።
ግብጺ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ዘጽደቐት ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማያዊ ገማግም ራሺድ ናይ ግዝኣት ቤሔራ ዘጋጠመ ህይወት ልዕሊ 200 ስደተኛታት ዝወሰደ ሓደጋ መርከብ እዩ።
ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብን ናብን ሃገራ ንምግታእ’ውን ግብጺ ምስ ከም ጥልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ ብቐረባ ትሰርሕ ምህላዋ ይንገር። ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ግብጽን ጥልያንን ዝተኸተመ ናይ ምትሕግጋዝ ሰነድ – ክፍሊ መርምር ማእከል ስልጠና ፖሊስ ግብጺ ካብ 22 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ልዕሊ 360 ላዕለዎት ኣባላት ፖሊስ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደትን ዝተወሃሃዱ ገበናትን ዝዓለመ ስልጠና ምውፋሩ ይሕበር።
ቊጽሪ ናይቶም ካብ ግብጺ ናብ ኤውሮጳ እንዳምርሑ ዝቕየዱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ይዛይድ ምህላው ዝሕብር ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ 2016 ጥራይ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልን ዝኾኑ ልዕሊ 4,600 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምዝቐየዱ ይገልጽ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ