ራብዓይቲ ጉጅለ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝግበር ስርሒት ህይወት ምድሓን ተቋርጽ
ራብዓይቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድላይን ምድሓንን ህይወት ስርሒታት እተካይድ ማሕበር ገብረሰናይ ብሰንኪ እቲ “እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ዘይርግኣት” ወፍርታታ ኸተቋርጽ ምዃና ኣፍሊጣ።
እታ ኣብ 2014 ዝተመስረተት ኣብ ማልታ ዝመደበራ ናይ ማእከል ባሕሪ መደበር ሓገዝ ንስደተኛታት (ኤም ኦ ኤ ኤስ) ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወት ልዕሊ 40,000 ስደተኛታት ኣድሒና እያ።
እዛ ናይ ፈለማ ብብሕቲ እትውነን ስራሕ ምድሓን ህይወት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጀመረት መርከብ፡ ኻብተን ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኽሰግሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጥሞም ስደተኛታት ዘድሕና ማሕበራት ራብዐይቲ ስራሕ እተቋርጽ ዘላ ማሕበር እያ።
ዝሓለፈ ወርሒ ሓካይም ብዘይዶብ (ኤም ኤስ ኤፍ)፡ ህጻናት ኣድሕን (Save the Children) ከምኡውን ናይ ጀርመን ‘ዓይኒ ባሕሪ’ ዝተባህለ ማሕበር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝነበረን ስራሕ ኣቋሪጸን እየን። እተን ማሕበራት ብሰንኪ ጐነጻዊ ኣሰራርሓ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብውሕስነት ክሰርሓ ኸምዘይከኣላ ገሊጸን እየን ስርሐን ኣቋሪጸን።
ብ4 መስከረም ኤም ኦ ኤ ኤስ “ኣዝዩ ኣናተሓላለኸ ዝኸይድ ዘሎ ኹነታት” ብምጥቃስ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝነበሮ ስራሕ ከምዘቋረጸን፡ ንመርከቡ ፊኒክስ ናብ ወሽመጥ ቤንጋል ነቶም ኣብ ምያንማር ዘሎ ዓመጽ ከወግዱ ናብ ባንግላዴሽ ዝሃድሙ ዘለዎ ሮሂንያ ኽትሕግዝ ክሰዳ ምዃኑን ገሊጹ።
“ናብ ውሑስ ወደብ ክውሰዱ ምዃኖም ርጉጽነት የብልናን፡ ንስደተኛታት ኣድሒንና ናይ ሓሶት ተስፋ ሂብና ድማ ናብ ሊብያ ኽንመልሶም ክንግደድ ኣይንደልን ኢና፡” ትብል ምስ በዓል ቤታ ነቲ ማሕበር ዝመስረተት ረጂና ካትራምቦነ።
“ኤም ኦ ኤ ኤስ ናይዚ ነቶም ደገፍ ዘድልዮም ወገናት ኣድህቦ ዝህብ ዘይብሉ፡ ኣብቲ ሓደ ወገን ናይዚ ባሕሪ እንታይ ከምዘጋጥሞም ብዘየገድስ ናብ ኤውሮጳ ኸይበጽሑ ጥራይ ንምኽልካሎም ጥራይ ዘድህብ ኩነታት ክኸውን ኣይደልን እዩ፡” ትብል ካትራምቦነ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ሓገዝ ንብረትን ልምምድን ዝረኸበ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ኣንጻር ማሕበራት ምድሓን ህይወት እናኸፍአ ዝኸይድ ገነጻዊ ስጕምትታት እዩ ኽወስድ ጸኒሑ።
ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ንማሕበራት ምድሓን ህይወት፡ ኣስገርቲ ስደተኛታት ኸምዘለዉ ብዘለዎም እምነት ኣብ ሰንኰፋት ጃላቡ ኣጨቓጪቖም ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኽሰድዎም ከምዘተባብዕኦም ክኸስወን ጸኒሖም እዮም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ