ስደተኛታት ኣብ ዝተጨቓጨቐት ጃልባ ኣብ ገማግም ሊብያ ሞይቶም
ህይወት ዘድሕኑ ገበርቲ ሰናይ ሬሳታት ክልተ ነብሰጾራት ዝርከብኦም 13 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ጐማ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከንሳፍፉ ኸዝጸንሕዎም ሓቢሮም።
“ዓሰርተውሰለስተ ሬሳታት ብጠቕላላ። ኣስማት፡ ኣስማት ወለዲ፡ ኣዴታት፡ ኣቦታት፡ ኣዕሩኽን ህይወቶምን ዝነበሮም ሰባት፡” ይብል ስጳኛዊ ማሕበር ምድሓን ህይወት ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስ ኣብ መግለጺኡ።
እቶም ስደተኛታት እታ ጃልባ 181 ሰባት ሒዛ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ምስተበገሰት ድሕሪ 24 ሰዓታት ከምዝሃለቑ እዩ ዝእመን። ሽሞንተ ኻብቶም ዝሞቱ፡ ክልተ ነብሰጾራት ዝርከብአን ደቀንስትዮ እየን።
ጉጅለ ሕክምና ፕሮኣክቲቫ እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ሕማምባሕሪ ናብ ምድሪቤት እታ ጃልባ ሸተት ምስበሉ ካብታ ጃልባ ዝወጸ ነዳዲ ምስ ማይ ባሕሪ ምስተሓወሰ ዝፈጠሮ መርዛም ሃገግታ ዓፊንዎም ክኸውን ከምዝኽእል ግምቶም ገሊጾም።
“ካብ ጃልባ ወጻኢ ጥሒሎም ኣይኰኑን ሞይቶም፡ ኣብ ውሽጢ ጃልባ እዮም ጥሒሎም፡” ሪካርዶ ጋቲ፡ መራሒ ጉጅለ ልኡኻት ፕሮኣክቲቫ።
ካብኣቶም ዝዓበየ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ዝርከብዎም ሽዱሽተ ህጻናት ድሒኖም።
ክልተ ኻብተን ዝደሓና ደቀንስትዮ ነቶም ኣባላት ሕክምና ኣብ ሊብያ ብዙሕ ግዜ ኸምዝተዓመጻን ብብርቱዕ ከምዝተቐጥቀጣን ሓቢረንኦም። ፕሮኣክቲቫ ኣብተን ኣንስቲ ዝተራእየ ጐርጽታት ተዓሚጸን ክዀና ከምዝኽእላ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ 2,400 ዝዀኑ ሰባት ናብ ኤውሮጳ ኽሰግሩ ኽብሉ ሞይቶም ኣለዉ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ