ስጳኛ ሓለዋ ዶባታ ዘሐይል ሓገዝ ትረክብ

ስእሊ፥ ፍሮንቴክስ ። ኣባል ፍሮንቴክስ ኣብ ኮለላ።

ኣብ 2017, ቊጽሪ ናይቶም ብምዕራባዊ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ናብ ስጳኛ ዝኣትው ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምዝዛየደ፡ ኣብ 2018 ድማ ክንህር ምዃኑ ወኪል ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳ ማለት Frontex ሓቢሩ።

ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ እቲ ወኪል፡ ኣብ 2017 ከባቢ 22,880 ስደተኛታት ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ስጳኛ ከምዝኣተው፥ እቲ ኣሃዝ ምስቲ ኣብ 2016 ዝተመዝገበ 10,231 ክነጻጸር እንከሎ ድማ ብዕጽፊ ከምዝዛይድ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓላፊ Frontex ፋብሪስ ሌጋሪ ኣብ ከተማ ማድሪስ ናይ ስጳኛ ተረኺቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትካሉ ነቲ ናብ ስጳኛ ዝብርኽ ዘሎ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ምክትታል ማያዊ ገማግም እታ ሃገር ዓቲቡ ክደጋገፍ ምኻኑ ኣረዲኡ።

“ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ማእከላይ ባሕሪ ዘይጥዑም ወረ ንሰምዕ ኣሎና። ስጳኛ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሕውነታዊ ደገፍ የድልያ ኣሎ፡” ዝበለ ኣቶ ሌጋሪ፡ ኣብ ጥልያንን ግሪኽን ዝስረሓሉ ሓደስቲ ስደተኛታት ናይ ምምዝጋብ መስርሕ ኣብ ስጳኛ’ውን ክተኣታቶ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እቲ ሓደስቲ ስደተኛታት ናይ ምምዝጋብ መስርሕ ንሰብ መዚ ጸጥታ እታ ሃገር ብዛዕባ መንነትን ሕሉፍ ገበናትን እቶም ስደተኛታት ከጣይቑ ዘኽእል እዩ።

ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ሳምንቲ ናይ 2018፡ ልዕሊ 2,583 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ኸለው፡ ከባቢ 200 ካልኦት ኣብ’ቲ ማያዊ ኣካል ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሰነዳት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ይሕብር።