ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት ዝለዓለ ቝጽሪ በጺሑ
ኣብ 2016ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ኽሰግሩ ክፍትኑ ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ቍጽሪ ሓድሽ ጥርዚ ብምብጻሕ 5,000 ሓሊፉ። ምስዚ ኽወዳደር ከሎ፡ ቍጽሪ ናይቶም ገማግም ኤውሮጳ ኽረግጹ ዝኸኣሉ ስደተኛታት፡ ብፍላይ ድሕሪ ምዕጻው ናይቲ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ዘስግር መስመር ዝርከቦ ምብራቓዊ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ፡ ብኽልተ ሲሶ ቐኒሱ።
ቁጽሪ ምዉታት 5,000 ዝበጽሓሉ፡ ብ22 ታሕሳስ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ፡ ኣብ ጥቓ ሲቺልያ፡ ክልተ ጃላቡ ምስ ጠሓላ እዩ። ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ካብቶም ብድምር ልዕሊ 257 ዝነበሩ ተሳፈርቲ ክልቲአን ጃላቡ ነቶም ልዕሊ ሚእቲ ከድሕንዎም ኣይከኣሉን።
ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣስካሕካሒ ሓደጋ ኣብ ዝተዛረበሉ፡ እቲ ቝጽሪ ኣብ 2016 ፡ ብጠቕላላ ገምጋም በብመዓልቲ 14 ሰባት፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝሓሸ ህይወት ከናድዩ ኽብሉ፡ ህይወቶም ይስእኑ ኸምዝነበሩ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ።
ብመሰረት መግለጺ እቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ጨንፈር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓይነት ናይተን ኣስገርቲ ዝጥቀሙለን ጃላቡ እናኸፍአ ክኸይድ ከሎ፡ ከይተሓዙ ዝኽተልዎ ሜላታት ዝያዳ ከራቕቕዎ ተራእዮም። ኣብ 2016፡ ኣስገርቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣዝየን ብዙሓት ጃላቡ ብምስዳድ ካብ ምትሓዝ ክድሕኑ ዝተኸተልዎ ሜላ፡ ንንጥፈታት ምድሓን ህይወት ኣጸጋሚ ክኸውን ስለዘገደደ ዝበዝሑ ቝጽሪ ሰባት ሰኣን ሓገዝ ሃሊቖም።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ልዑል ምውሳኽ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት፡ ቍጽሪ ናይቶም ገማግም ኤውሮጳ ክበጽሑ ዝኽእሉ ስደተኛታት ኣዝዩ ኣብ ዝቐነሰሉ ዓመት እዩ ዘጋጥም ዘሎ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ 2015 ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ስደተኛታት ገማግም ኤውሮጳ ኽረግጹ ኸለዉ፡ ኣብ 2016 እቲ ቝጽሪ ናብ ትሕቲ 360,000 ወሪዱ።
ምስ መጠን ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ዝወሓዙ ስደተኛታት ክረኣአ ኸሎ፡ ኣብ 2016 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ቍጽሪ ብልዕሊ ሓደ ሲሶ ወሲኹ። ኣብ 2015 ልዕሊ 3,770 ስደትኛታት ኣብ ባሕሪ ኽጠፍኡ ኸለዉ፡ ኣብ 2014 3,280 ዝበጽሑ ስደተኛታት ህይወቶም ስኢኖም። ምስቲ ቅድሚ 2016 ዝነበረ ልዑል ዋሕዚ ስደተኛታትን ዝተሓተ ቍጽሪ ምዉታትን ክወዳደር ከሎ፡ ኣብ 2016 ዝነበረ ተኽእሎ ሞት ኣብ ባሕሪ ብልዕሊ ሰለስተ ኢድ ወሲኹ።
ሓቀኛ ቕጽሪ ምዉታት ካብቲ ዝቐርብ ጸብጻባት ንላዕሊ ኸምዝዀነ እዩ ዝግመት። ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳይ ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ናብ ስጳኛ ኣብ ምስጋር ዘጋጥም ኣማኢት ሞት ስደተኛታት ዝበዝሕ ግዜ ጸብጻብ ከምዝይግበረሉ ይገልጽ። ብዘይካ ዘይተጸብጸበ ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት፡ ዝተረጋገጸ ሞት ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳ ሳሃራ ዝጠፍኡ ስደተኛታት ኣብ 2016 እንተወሓደ 1,100 በጺሑ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ