ግሪኽ፥ ልዑሉ ሓደጋታት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ማእከላት ስደተኛታት
ስእሊ፥ ጌቲ ኢሜጅ። ማእከል ስደተኛታት ሞይራ፡ ግሪኽ።
ኣብ ግሪኽ ኣብ ዝተፈላለያ መጻንሒ ማእከላት ተጻቢቦም ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ሓደጋታት ጾታዊ ዓመጽን ምንግልታዕን ይነብሩ ከምዘለው፡ ብላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ዝወጽአ እዋናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እቲ ላዕለዋይ ወኪል፡ ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ዝርከቡለን ደሴታት ግሪኽ ኣማኢት ተርእዮታት ዓመጽ ከምዘጋጥም ካብ መጽናዕቱ ከምዝተገንዘበ እዩ ዝሕብር። ወሃብቃል እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ኣቶ ሰሲል ፖሊ ከምዝገለጾ፡ ሓያሎ ዝተበደሉ ስደተኛታት ካብ ሕፈርትን ፍርሂ ምፍዳይ ሕነን ብዝተላዕለ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ ዘሎ ኩሉዓይነታዊ በደላት ክሕብሩ ከምዝጽገሙ እዩ ዝጠቅስ።
“በደላት ዝበጽሖም ስደተኛታት ልዕሊ’ቲ ኣብ ጸብጻብና ሰኒድናዮ ዘሎና ኣሃዝ እዩ፡” ዝበለ ኣቶ ፖሊ ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኣብ መዓስከራትን መጻንሒ ማእከላትን ስደተኛታት ግሪኽ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ከፊላዊ ስእሊ ጥራይ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።
“ እቲ ተርእዮ ብፍላይ ኣብ’ተን ኣብ ሞይራ ናይ ደሴት ለኢስቦስን ፡ ቫቲ ናይ ደሴት ሳሞስን ዝርከባ መጻንሒን መለለዪን ማእከላት ስደተኛታት ዝጎልሐ ከምዝኾነ እዩ ወሃብ ቃል ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር። ኣብተን ማእከላት ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ኣዚዩ ትሑት ቀረብ መሰረታዊ ጠለባት ህይወትን ጸጥታዊ ድሕነትን ከምዝነብሩ እዩ ዝግለጽ።
ኣብተን ስደተኛታት ተጸፋጺፎም ዝቕመጡለን ዘለዉ ማእከላት ብፍላይ ቆልዓ ሰበይቲ ንዝበኣሰ ሓደጋታት ኩሉዓይነታዊ ዓመጻት ዝተቓልዑ ኮይኖም ኣለው። እተን ማእከላት ነፍሲ ወከን ልዕሊ 5,500 ስደተኛታት ኣስፊረን ከምዘለዋ ዝሕበር ኮይኑ፡ እቲ ኣሃዝ ዕጽፊ ካብቲ ክሕዘኦ ዝኽእላ ብዝሒ ሰብ እዩ።
ኣብተን ክልተ ማእከላት ኣብ ሰዓታት ምሸት ቆልዓ ሰበይቲ ክፍሊ መሕጸቢ ሰውነትን ቀልቀልን ክጥቀሙ ኣዚዩ ኣስጋኢ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ኣቶ ፖሊ፡ ኣብ እዋን ቀትሪ’ውን እንተኾነ ኣብተን ክፍልታት ሰውነትካ ክትሕጸብ ውሑስ ዘይምዃኑ ይዛረብ።
ሞይራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር እትነብር ሓንቲ ጓለንስተይቲ ንወኪል ስደተኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ልዕሊኣ ክፍጸም ንዝኽእል ዓመጽ ሰጊኣ ንልዕሊ 2 ኣዋርሕ ሰውነታ ከምዘይተሓጸበት ትዛረብ። ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝነጥፉ ልዕሊ 30 ኣባላት ጥዕናን ክኢላታት ማሕበራዊ ጉዳያትን ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ተጨቓጪቖም ንተገልገልቲ ኣብ ትሕቲ ዘይብሕትው ኩነት ኣገልግሎት ከምዝህቡ ትሕብር።
ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ግሪኽ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበጽሑ በደላት ንምግታእ እተካይዶ ዘላ ጻዕርታት ከምዝግንዘቦ’ኳ እንተገለጸ፡ እታ ሃገር ኣብ መዓስከራትን መጻንሒ ማእከላትን ስደተኛታት እተማሕድሮ ትሕተ ቅርጺ ከተማሓይሽ ቀጻሊ እዩ ዝጽውዕ ።
ሒዛቶ ብዘላ ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ተገዲዓ ምህላዋ እተማርር ግሪኽ፡ ኣብ 2017 ኣብ ኩለን ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ዝተመዝገቡ ሓተቲ ዑቕባ 8.5 ሚእታዊ ኣብ ግሪኽ’ዮም። 11 ሚልዮን ዝህዝባ ግሪኽ ኣብ 2017 ጥራይ 58,661 ሕቶታት ዑቕባ ሰኒዳ ኣላ። እዚ ድማ፡ ግሪኽ ብመጠን ብዝሒ ህዝባ ኣብ ኤውሮጳ እታ ዝለዓለ ቊጽሪ ሓተቲ ዑቕባ እትውንን ሃገር ይገብራ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ