ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ኽመሃሩ ተፈቒዱሎም

ኤርትራውያን ስደተኛታት ተማሃሮ – ስእሊ፥- ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ

450 ዝዀኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨሲቲታት እታ ሃገር ክመሃሩ ኣብ መወዳእታ 2017 ዕድል ረኺቦም።
ብመሰረት በዓልመዚ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ እቶም ተማሃሮ ኣብ 23 ብመንግስቲ ዝካየዳ ኣብ ዝተፈላላያ ኸተማታት ኢትዮጵያ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ተላኢኾም ኣለዉ።

እቶም ተማሃሮ ካብ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ የመንን ሶማልያን ዝመጹ ስደተኛታት ይርከብዎም።
ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ኽሳተፉ ዘፍቅድ ውሳኔ ኣብ 2010 ዝተወስደ ዀይኑ፡ ኣብቲ እዋን ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፡ ኣኽሱምን ኣዲስ ኣበባን ተመዝጊቦም።

እቲ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዕድላት ክፋል ናይቲ ኣብ መንጎ UNHCRን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ 2010 ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርባት ዝሰዓበ ‘ካብ-መዓስከር-ወጻኢ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት እዩ። እቲ ኣገባብ ምሕደራ ኣብ መዕቈቢታት ዝቕመጡ ስደተኛታት ካብ መዓስከር ወጻኢ ኽነብሩ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ምስዝዀኑ ከም ዝመረጽዎ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል እታ ሃገር ክነብሩ ዘፍቅድ እዩ።
ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣገባብ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝደለይዎ መንግስታውን ብሕታውን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኽሳተፉ የፍቅድ።
ገለ ኻብቶም ኣብ ዝሓለፉ ማህደራት ትምህርቲ ዝተሳተፉ ተመሪቖም ስራሕ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኣወጀ ስደተኛታት ኣብ ሕብረተሰብ ዝጽምበሩሉ ውጥን ስሩዕ ስራሕ ክረኽቡ ኽሕግዞም እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ‘ኣገባብ ኣጠቓላሊ ፍታሕ ንጉዳይ ስደተኛታት’ ዝብል መደብ ብምእዋጅ፡ ስደተኛታት ኣብ ዘለውዎ ኸባቢታት ምስ ሕብረተሰብን ቁጠባን ክጽምበሩ፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንስደተኛታት ክዝርጋሕን ክዓብን ከምኡ ድማ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምዝህልዎም ከረጋግጽ ይሰርሕ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመት ንኹሉ መዓስከራት ስደተኛታት ክዓጹ ኣብ ዝምድበሉ ዘሎ እዋን፡ ‘ኣገባብ ኣጠቓላሊ ፍታሕ ንጉዳይ ስደተኛታት’ ንስደተኛታት ዝኸውን ዘላቒ ፍታሓት ክቕርብ ተስፋ ይግበረሉ።