ቻንስሎር መርከል ናብ ጀርመን ዝኣቱ ቊጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ክድረት ተሰማሚዓ

ስእሊ፥ ኦድ ኣንደርሰን /ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ/

ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ዓመታዊ ናብ ሃገራ ዝኣትው ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ናብ 200,000 ከተጒድሎ ከምዝተሰማምዐት ተገሊጹ። እታ መራሒት ናብ’ቲ ስምምዕ ዝበጽሐት ምስቲ ናብ ልፍንታዊ መንግስትነታ ክትጽንብሮ መሪጻ ዘላ ሰልፊ ክርስትያናዊ ማሕበራዊ ሕብረት (CSU) ብ 8 ጥቅምቲ ድሕሪ ዘካየደቶ ነዊሕ ሰዓታት ዝወስደ ዝርርብ እዩ።
ኣብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ሓፈሻዊ ምርጫ ሰልፋ ሓያሎ መናብር ንቀጽሪ ዓቓባውያን ሰልፍታት ዝኸሰረ እታ ጀርመናዊት ቻንስለር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ  እቲ ብጸቢብ ድምጺ ዝተዓወተትሉ ምርጫ ንበይና መንግስቲ ከትክላ ስለዘይኽእል ዝተፈላለዩ ሕድገታት ዝረኣየሉ ዘሎ ስምምዓት ምስ ሰልፊ ክርስትያናዊ ማሕበራዊ ሕብረት እንዳገበረት ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ምኩዋን ትጽዕት ከምዘላ ይንገር።

መራሒ ሰልፊ ክርስትያናዊ ማሕበራዊ ሕብረት – ሆርስት ሲሁፈር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብዝሒ ናይቶም ዓመታዊ ናብ ጀርመን ዝኣትው ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ናብ 200,000 ክድረት ክምጉት ምጽናሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣንገላ መርከል ግና ክሳዕ እዚ ቀረባ እዋን ነቲ ምጉት ክትቃወሞ ምጽናሓ ይፍለጥ።
እታ ቻንስለር ንማዕከናት ዜና ጀርመን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ምስ ሰልፊ ክርስትያናዊ ማሕበራዊ ሕብረት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምስ ካልኦት ጸጋማውያን ደሞክራሳውያን ሰልፍታት እታ ሃገር ሃናጺ ዝርርብ ንኽካየድ ስቡሕ ባይታ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣነጺራ ኣላ። ንሳ ወሲኻ፡ ጀርመን ርጉእ መንግስቲ ክህሉዋ ሓባራዊ ርድኢት ቅድመኩነታዊ ረቛሒ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።
እቶም ክልተ ሰልፍታት ድሕሪ ምስምማዖም ዘውጽኡዎ ሓባራዊ ጽሑፍ ከምዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብ 2015 ዝተራእየ ዕልቕልቕ ስደተኛታት ከይድገም፡ ነቲ ናብ ሃገሮምን ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝውሕዝ ዘሎ ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ብዝለዘበን ቀጻልነት ብዘለዎ መንገዲ ንምጉዳሉን ንምግታኡን ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም’ዩ።

ቻንሰለር መርከል ካብ 2015 ክትክተሎ ዝጀመረት ክፉት ፖሊሲ ስደት ዛጊት ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሓደስቲ ስደተኛታት ክእከቡ ገይሩ ከምዘሎን፡ እቲ ፖሊስ ድማ ፖለቲካውያን ሓይልታት እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝተመቓቐለ መርገጺታት ክሕዙ ከምዝደፍአን ይሕበር።

ኣብ’ቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ናብታ ሃገር ዓመታዊ ክኣቱ ተፈቒዱ ዘሎ ፍቕዲ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ምስ ኩነታት ለጠቕ ክብል ከምዝኽል’ውን ተጠቒሱ ኣሎ። ብዘይካ እዚ እቲ ተተሊሙ ዘሎ ፍቕዲ ነቶም ብሕጋዊ መስርሕ ምቕባል ስደተኛታት ጀርመንን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝሓለፉ ስደተኛታት ጥራይ ከምዝምልከት እውን ይግለጽ።
ኣብ ምቅላስ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብን ምቕርጣው ሓለዋ ዶባት ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን እውን ነቲ ተደሪቱ ዘሎ ‘200,000 ብዝሒ ስደተኛታት’ ቀጻልነቱ ንምውሓስ ክስራሕ እዩ። ብዘይካ’ዚ ግዝያዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት ኣባላት ስድራቤቶም ከምጽኡን ክጥርንፉን ከልኪሉ ዝጸንሐ ሕጊ ከምዘለዎ ክቕጽል ክፋል ናይ’ዚ እዋናዊ ስምምዕ ኮይኑ፡ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ተጸኒዑ መልሲ ከይተዋህቦም ካብ’ታ ሃገር ክጥረዙ ከምዘይኮኑ ግና እቲ ስምምዕ ኣስሚሩሉ ኣሎ።