ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደ መዳጐኒ ንዝርከቡ ስደተኛታት

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ዕማም ዝተፈላለየ ዓይነታት ስደት ኣብታ 115 ኪሎሜተር ንምዕራብ ካብ ትሪፖሊ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ዝዋራ ተዳጒኖም ዝርከቡ ስደተኛታት ዘለውዎ ኹነታት እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ዕማም ብወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣህጉራዊ ሕክምናዊ ልኡኽ፡ ደንማርካዊ ቤትምኽሪ ስደተኛታትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን ዝቘመ እዩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ ውድ ስደትን ስርሑ ንምስላጥ ብሓባር ይመርሕዎ።

እቲ ብበዓል መዚ ምቍጽጻር ዘይሕጋዊ ስደት ሊብያ ዝካየድ መዳጐኒ ክሳብ 18 ሚያዝያ ክሳብ 800 ዝበጽሑ ኣፍሪቃውያንን ደቡብ ኤስያውያንን ኣብ ባሕሪ ወይ ካብ ኣስገርትን ተሻየጥትን ሰባት ዝተታሕዙ ስደተኛታት ሒዙ ኔሩ።

እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ካሜሩን፡ ባንግላዴሽ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጋምብያ፡ ጋና፡ ጊኒ፡ ኣይቮሪ ኮስት፡ ማሊ፡ ሞሮኮ፡ ናይጄርያ፡ ፓኪስታን፡ ሴኔጋል፡ ሶማልያን ሱዳንን ዝመጹ ዀይኖም፡ ንሰሙናት ንፋስ ኣብ ዘይረክብ ክፍልታት ብሕጽረት ማይን መግብን ክሳቐዩ ዝጸንሑ ህጹጽ ናይ ኣእምሮን ማሕበራውን ኣጸናናዒ ደገፍ ዘድልዮም እዮም።

ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ዕማም ምስ ናይቲ ኸባቢ ኣካላት መግስቲ ብምትሕብባር ኣብቲ መዳጐኒ ማእከል ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የበርክቱ ኣለዉ። ብሰንኪ ሓፈሻዊ ውድቀት ጸጥታ ሊብያ ብድሕነት ናብታ ወደባዊት ከተማ ብመሬት ምጕዓዝ ኣጸጋሚ ስለዝዀነ እቶም ብህጹጽ ሕክምና ዘድልዮም ብነፋሪት ናብ ትሪፖሊ ይውሰዱ ኣለዉ።

ሓካይም ብዘይዶብን ኣባላት እቲ ጉጅለን ነቲ ዝዓበየ ኣድህቦ ዘድልዮ ጉዳያት ናይ ጥዕናን መግብን ሓገዝ ብምግባር ከዐግስዎ ይፍትኑ ኣለዉ።

ምስ ሕማቕ ጭቕጭቕን ነዊሕ ዝቐጸለ ዋሕዲ ማይን መግብን እቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ነቶም ተዳጐንቲ ብቕልጡፍ ካብቲ ኣብ ምእላዮም ዘተኰረ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ንወከልቲ ኤምባሲታት ካሜሩን፡ ጊኒ፡ ኣይቮሪ ኮስት፡ ማሊ፡ ናይጄርያን ሴኔጋልን ናብቲ መዳጐኒ ምብጻሕ ወዲቡሎም። እቶም ወከልቲ 355 ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ዜጋታቶም ክምዝግቡ ኸለዉ፡ ካልኦት 186 ብመንግስታት ሃገራቶም ክምዝገቡ ይጽበዩ ኣለዉ።

ካብቶም 800 ስደተኛታት እቶም 88 ኣህጉራዊ ዑቕባ ዘድልዮም ኰይኖም ናብ ትሪፖሊ ክውሰዱ ኸለዉ፡ ካብቶም እቶም ኣዝዮም ውጹዓት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንኽጣየሱ ክምመዩ እዮም።

ካብ ምእታው እዚ ዓመት ብድምር 5,109 ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ኣብቲ ብእሱራት ዘዕለቕለቐን ሕሉፍ ዋሕዲ ቐረባት ዝርኣየሉን መዳጐኒ ማእከላት ትሪፖሊን ካልኦት ከተማታት ገማግም ባሕርን ተዳጒኖም ኣለዉ።

 

ስእሊ፦ ኣይ ኦ ኤም። ኣብ መዳጐኒ ማእከል ኣቡሰሊም ሓንቲ ጓለንስትይቲ ግዜኣ ብምስኣል ተሕልፎ

 

TMP – 08/06/2018