ምስ ምእታው ሓጋይ ስደተኛታት ኣብ ፓሪስ መሕደሪ ይሓስሞም
ስእሊ፦ ሓካይም ብዘይዶብ
ሓካይም ዓለምን ሓካይም ብዘይዶብን ዝተባህላ ኽልተ ማሕበራት ግብረሰናይ ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ኣብ ጐደናታት ፓሪስ ፋሕ ኢሎም፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ምብራቕ እታ ኸተማ ኣብ ከባቢ ሰን-ሳን-ደኒ ብዘይመዕቈቢ ይነብሩ ኸዘለዉ ገሊጸን። እቶም ስደተኛታት ዝበዝሕ እዋን ዝዀነ ይኹን መዕቀሊ ወይ ቴንዳ የብሎምን።
“ዝናብን ፖሊስን ዘይንበር’ዮም ጌሮሞ። ዝናብ ኣብ ትሕቲ ድልድላት ከነዕቅል ይግድደና፡ መዕቀሊ ስርሕ ከነብል ከለና ኸኣኣ ፖሊስ መጺኦም ካብኡ ኽንእለ ይግድዱና፡” ክብል ሓደ ሱዳናዊ ስደተኛ ንሓካይም ብዘይዶብ ገሊጹሎም።
“ለይቲ መጺኦም ኣተሲኦም ካብዚ ተኣለዩ ይብሉና። ኩሉ ሳዕ ‘ናበይ እሞ፧’ ኢልና ኽንሓቶም ከለና ‘ኣይፈልጥን’የ፡ ጥራይ ተኣለዩ ይብሉና፡” ብምባል ይቕጽል።
ሓካይም ብዘይዶብ ናይ ሕክምና ጉጀለታቶም ኩነታት ጥዕና እቶም ስድተኛታት ከንቈልቍል ከሎ ኸምዝርእዩ፡ ኣብ ሓጋይ መሊሱ ክኸፍእ ከምዝኽእልን ይገልጽ።
“ዛሕሊ ጀሚሩ ኸሎ እቶም ስደተኛታት ግን ብዘይ ናይ መዕቈቢ ፍታሕ ገና ኣብ ጐደናታት እዮም ዝነብሩ ዘለዉ፡” ትብል ሓላፊት ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ፈረንሳ ኮሪን ቶረ።
“ብሰንኪ እቲ ዘጋጥሞም ሕማቕ ኩነታት ሕማማት ቈርበትን ዓበቕን ክሕዞም ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።”
ጀማል ዝተባህለ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣብ ፓሪስ ወርሒ ዝገበረ ስደተኛ ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ዘሎ ህይወት ካብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዘሎ ህይወት ዝኸፍእ ምዃኑ ይገልጽ።
“ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ሕቡራት ሃገራር መዓስከራት ዘይስሩዕን ሕጽረታት ዝበዝሖን እዩ፡ እንተወሓደ ግን ዝበዝሕ ግዜ ቴንዳ፡ ገለ ዝብላዕ፡ ሓበሬታ ኔሩና፡ ድሕነት ድማ ኔሩና። ኣብዚ እቲ ዝርካቡ ሓበሬታ ብወረ ንረኽቦ’ዩ፡ ፖሊስ ድማ ከም ገበነኛታት የሳድዱና።”
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ