ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ዝተዳጎኑ ስደተኛታት ብላዕ ይሓትት

ስደተኛታት ኣብ ሓደ ካብ ሞዳጎኒ ማእከላት ሊብያ። ስእሊ፥ /መርበብ ሰብኣዊ ንጥፈታት 2016/

ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ምስ ኣሰጋገርቲ ምስጢራዊ ዝምድና እንዳመስረተ ኣብ ቀጻልነት ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋርን ደቅ-ሰብ ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣህጉራዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሳሲቡ። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ እንዳሰገሩ ካብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ንዝቕይድዎም ስደተኛታት ብላዕ እንዳተቐበሉ ክለቅዎም ይረኣዩ ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መጽናዕቱ ዝኣከቦም ቃላት-ምስክርነት ከምዘነጽርዎ፡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማያዊ ገማግም እታ ሃገር ንዝሕዝዎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናይ መልቀቒ ክፍሊት ብግዲ እንዳሓተቱ ክፈትሕዎም ከምዝመርጹ እዩ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምግታእ እቶም ብማእከላይ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ዘምርሑ ስደተኛታት ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብቐረባ ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ ኮይኑ፡ ካብቲ ሕብረት ዝተፈላለየ ስልጠናታትን ዓይነታዊ ሓገዛትን ይቕረበሉ ምህላው እዩ ዝግለጽ።

ስቴፋን ዝተባህለ ወዲ 30 ዓመት ካሜሮናዊ ንጋዜጣ ዘ-ኢንዲፐንደንት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናብ ጥልያን ክሰግር ከብል ኣብ ወርሒ ሰነ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተቐዪዱ ድሕሪ ምዱጓኑ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝለበሱ ሊብያውያን መግረፍቲን መዝመቲን ከምዝገጠሞ የረድእ።

“እቶም ሊብያውያን ወተሃደራት ቀጻሊ ይገርፉናን ኣብ ጁባና ክህሉ ዝኽእል ገንዘብን ተንቀሳቐስቲ ቴሌፎናትን ፈቲሾም ይወስዱልናን፡ ገንዘብ ኣንተሂብናዮም’ውን ባዕላቶም ናብ ጥልያን ከምዘስግሩና ይመባጽዑልና ነይሮም፡” ይብል ስቴፋን።

ንሱ ወሲኹ፡ ዝሰግሩላ ዝነበሩ ጃልባ ምስተታሕዘት ሻቡ ኣብ ጥቓ’ታ ቀንዲ መናሃርያ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋርን ደቅ-ሰብ ከምዝኾነት ዝነገረላ ከተማ ሳብራታ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ተሰጋጊሮም ን ከባቢ ሰለስተ ሰሙናት ምስ ተዳጎኑ፡ ካብ ሓለፍቲ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ነፍሲወከፎም  155 ኤሮ ከፊሎም ክልቀቚ ከምዝተፈቕደሎም ይዛረብ። እቲ ገንዘብ ዝኸፈለሉ ሰብ ድማ፡ ኣብ’ቲ ዝተታሕዘሉ ቀዳማይ ጉዕዞ ዘስግሮ ዝነበረ ወዲ-ዓዱ  እዩ።

ዳይረክቶር ክፍሊ ስደተኛታትን መሰላቶምን ኣብ ኣህጉራዊ ተሓላቒ  ትካል ኣምነስቲ ጨንፈር ዓባይ-ብሪጣንያ ዝኾነ ስቲቭ ቫልደዝ-ሲሞንድስ ከምዝሓበሮ’ውን፡ ትካሉ – ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ምስ ተታሕዙ ሻቡ ናብ መዳጎኒ ማእከላት ከምዝሰጋገሩ፥ ኣብተን ማእከላት ድማ ናብ ካልኦት ኣሰጋገርቲን ዕጡቓት ጉጅለታትን ከምዝሽየጡ ዘረጋግጹ መርትዖታት ኣኪቡ ምህላው ይሕብር።

ሊብያ ድሕሪ ናብ ኲናት ሓድሕድ ምሽማም ፡ ዓመጽን ቀይዱ ዝበተኸ ምጥቃም ሓይሊን ብዝተራቐቐ መልክዑ ይገዝፍ ምህላው እዩ ዳይረክተር ቫልደዝ-ሲሞንድስ ምስ ጋዜጣ ኢንዲፐንደንት ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ሓቢሩ ዘሎ።

እቲ ዳይረክተር ወሲኹ፡ ኣብ ሊብያ ሰሪቱ ዘሎ ውድቀት ስርዓተ-ምሕደራ፡ ሓያሎ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ደሞዞም ብስሩዕን ኣብ ግዜኡን ክረኽብዎ ኣጸጋሚ ገይሩ ብምህላው፡  እቶም ኣባላት ኣብ ብልሽዉና  ክወድቊን መለሳ-ፍትሒ ዘይብሎም በደላት ክፍጽሙን ይድርኽ ምህላዉ የተሓሳስብ።

ኣብ ሊብያ ካብ 700,000 ክሳዕ ሓደ ሚልዮን ዝበዝሑ ስደተኛታት ከምዝለው፡ ካብ 5000 ክሳዕ 6000 ካብኣቶም ድማ ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ ማእከላት ከምዝርከቡ’ዩ እዋናዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት (IOM) ዝሕብር።