ካብ ሊብያ ናብ ሃገራቶም ዝጣየሱ ብምብዝሖም ኣብታ ሃገር ዝርከብ መዳጐኒታት ይዕጾ

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም)፡ ካብ ጥሪ 2017 ክሳዕ ሕጂ 23,302 ስደተኛታት ብፍቓዶም ብዝምለሱሉ መደብ ናብ ሃገራቶም ከምዝተፋነዉ ገሊጹ። ካብ ሕዳር ንነጀው፡ ኣይ ኦ ኤም 10,171 ስደተኛታት ብደገፍ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ሊብያን ናብ ሃገራቶም መሊሱ። ካልኦት 5,200 ስደተኛታት ብደገፍ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናብ ሃገራቶም ተመሊሶም።

ኣይ ኦ ኤም ድሕሪ እቲ ዘሰንብድ ጸብጻባት መሸጣ ባራዩን ሕሱም ኩነታት እሱራት መዳጐኒ ማእከላትን ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ንንጥፈታት ምምላስ ኣቀላጢፍዎ እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ብመሰረት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ሊብያ፡ ቍጽሪ ኣብ ሊብያ ዝተኣስሩ ስደተኛታት ካብ ግንቦት 2017 ክሳዕ ሕጂ ብልዕሊ 80% ቀኒሱ።

ሓላፊ ምቍጽጻር ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ሊብያ ዝዀነ ብሪጋዴር ጀነራል መሓመድ ብሽር እቲ ዝተራእየ ምጕዳል ስደተኛታት 20 ኻብተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ 53 መዳጐኒ ማእከላት ክዕጸዋ ኸምዘኽኣለ ገሊጹ። ኣብ መዳጐኒ ማእከላት መንግስቲ ዝነበረ ኹነታት ከምቲ ዝድለ ኸምዘይነበረ ብምእማን፡ ብዝተኻእሎም መጠን ነቶም ዝተሃስዩ ዝበሃሉ፡ ብፍላይ ድማ ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝከኣሎም ደገፍ ክገብሩ ኸምዝፍትኑ ይሕብር።

“ኣብ ደገ ንዝርከቡ ስደተኛታት ክንበጽሖም እናፈተንና፡ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ንዝርከቡ ስደተኛታት ምድጋፍ ንቕጽሎ ኣለና፡” ይብል ሓላፊ ኣይ ኦ ኤም ሊብያ ዑስማን በልበይሲ ብመጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ብፍላይ ድሕሪ ምስፋሕ መደብ ወለንታዊ ምምላስ ኣይ ኦ ኤም ቁጽሪ ዝተዳጐኑ ስደተኛታት ካብ ከባቢ 20,000 ኣብ ጥቅምቲ 2017 ናብ 4,000 ሰባት ኣብዚ እዋን እዚ ኸምዝወረደ ይገልጽ።

28 ሕዳር ኣብ ኣቢጃን ኣብ ተኻየደ ዋዕላ ሕብረታት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን፡ ስቓይ ብፍላይ እቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምፍኳስን ወለንታዊ ምምላስ ንምቅልጣፍን ሓይሊ ዕማም ሕብረት ኣፍሪቃ-ሕብረት ኤውሮጳ-ሕቡራት ሃገራት ቈይሙ።

ስእሊ፦ ኤ ኤስ ኤፍ/ ጊዮም ቢነይ/ ሚዮፕ። ኣብ መዳጐኒ ማእከል ኣቡ ሰሊም ኣብ ትሪፖሊ፡ ሊብያ ዝተኣስሩ ስደተኛታት።

TMP – 17/05/2018