ኣውስትርያ፥ ምምጻእ ሕሉፍ የማናዊ ልፍንታዊ መንግስቲ ናብ ስልጣን ንስደተኛታት የስግእ

ስእሊ፥ ሰባስትያን ኩርዝ /ቢቢሲ 2017

ብ ሰባስትያን ኩርዝ ዝምራሕ ዓቃባዊ ሰልፊ ኣውስትርያ (ÖVP) ኣብ መፋርቕ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ኣብ ስልጣን ንዝጸሐ ጸጋማዊ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ብ 30 ሚእታዊት ድምጺ ድሕሪ ምርታዑ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ምህላዎም ተሓቢሩ።
ኣብቲ  ሓፈሻዊ ምርጫ ፡ ልዕሊ ፍርቂ ድምጺ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ስደትን መሰል ስደተኛታትን ኣሉታዊ መርገጺ ንዘለወን ዓቃባውያን ሰልፍታት ደገፉ ዝገለጸ ክኸውን እንከሎ፡ ግሁድን ዝበኣሰን ጽለኣት ስደተኛታት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ሰልፊ ናጽነት ከይተረፈ 27 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ዝበዝሐ መናብር ምስ ዝወነኑ ቀዳሞት ሰለስተ ሰልፍታት ተሰሪዑ ኣሎ።
መራሒ’ታ ዝበዝሐ ጽምጺ ህዝቢ ዝረኽበት ሰልፊ ሰባስትያን ኩርዝ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዎ ተሪር መርገጺ ካብ ካልኦት ዓቃባውያን ሰልፍታት ዝሓሸ ምዃኑ’ካ ይዝረብ እንተኾነ፡ እቲ መራሒ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዲሒኖም ናብ ኤውሮጳ ዝኣተው ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ክምለሱን ንሓደስቲ ስደተኛታት ዝግበር ገንዘባዊ ወጻኢትታት ክንኪን ዘለዎ ድሌት ብቅሉዕ ክገልጽ ምጽንሑ እዩ ዝሕበር።
ብ ሰባስትያን ኩርዝ ዝምራሕ ዓቃባዊ ሰልፊ ረኺብዎ ዘሎ ናይ 30 ሚእታዊት ድምጺ ህዝቢ መንግስቲ ከቕውም ዘኽእል ስለዘይኮነ ምስ ሕሉፍ ዓቃባዊ ሰልፊ ናጽነት ልፍንታዊ መንግስቲ ከቚውም ይቀራርብ ብምህላዉ’ዩ ድማ ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ መጻኢ ዝምሕደር ኣካይዳ ብኣጋኡ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
“ናብ ኣውስትርያ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝኣተኹሉ ብመንጽ’ቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝነበሮ ፍሕሹው ኣቀባብላ ናብ’ዛ ሃገር ምእታወይ ኣዝየ ዕጉብየ ዝነበርኩ። ድሒሩ ግና ነገራት ክቀያየሩ ጀሚሮም። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣውስትርያውያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዎም ኣጠማምታ ኣሉታውን ተጻባኢን ኮይኑ ኣሎ፡” ይብል ዘካርያ ኢብራሂም ዝተባህለ ስደተኛ ንማዕከን ዜና ቫይስ ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ።
ንሱ ወስዂ፡  ከም ሰልፊ ናጽነት ዝኣመሰላ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽለኣት ዘለወንን ስደተኛታት ክጥርዛ ምዃነን ግሁድ ዘመተታት ከካይዳ ዝጸንሓን ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ’ዚ ክምስረት ዝኾነ ልፍንታዊ መንግስቲ እንተተጸንቢረን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝውሰዱ ስጒምትታት ዝበኣሰ ከምዝኸውን ስክፍታኡ ይገልጽ።
ኣብ ኣውስትራያ ብጉዳይ ስደተኛታት ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነት ፡ ጽለኣት ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ልዕሊ ካልእ እዋን ዓሪጉን፡ ቊጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ኣብታ ኣህጉር በሪኹን ኣብ ዘለወሉ እዋን’ዩ ዝኽሰት ዘሎ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ጥራይ ዓሰርተታት ኣሽሓት  ስደተኛታት ኣብ ኣውስትርያ ተዓቚቦም ይርከቡ።

ልፍንታዊ መንግስቲ ምስ ተደኮነ ቻንስሎር እታ ሃገር ከምዝኸውን ተረጋጊጹ ዘሎ ሰባስትያን  ኩርዝ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሃገራት ባልካን ናብ ሃገሩን ኪንዮኡን ዘብል ዝነበረ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዶባት ሃገሩ ምብዕጻው ከምዝገትኦ ብተደጋጋሚ ይሕብር ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ናይ ውድድር እዋን ዝደጋግሞ ዝነበረ ዘመተ’ውን፡ መንግስታት ኤውሮጳ ንተሪር ኣተሓሕዛ ኣውስትርያ ክስዕባን ብመንገዲ ማእከላይ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ዝመጽእ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክዓግታን ድፍኢታት ክገብር ምዃኑ’ዩ።m