ኣብ መንጎ ምስ ስደተኛታት ዝደናገጹን ዝነጽጉዎምን ወገናት ኣብ ኣኽራን ኣልፕ ንዘጋጠመ ግጭት ንምህዳእ ፈረንሳ ተወሰኽቲ ኣኽበርቲ ድሕነት ትሰድድ

መንግስቲ ፈረንሳ ነቶም ኣብ ኣኽራን ኣልፕ ምስ ኢጣልያ ዘዳውባ ዞባ ዝርከቡ ናይ ድሕነት ሓይልታት ነቲ ኣብ መንጎ ምስ ስደተኛታት ዝደናገጹ ተንቀሳቐስትን ፖሊስን ዘጋጠመ ግጭት ንምህዳእ ተደራቢ ሓይሊ ሰዲዱ።

ፓርላማ ፈረንሳ ተሪር ዝዀነ ሕጊ ኣቀባብላ ስደተኛታት ኣብ ዘሕለፈሉ ሳልሳይ ሰሙን ሚያዝያ፡ ጸረ ምቕባል ስደተኛታት ዝዀኑ ፈረንሳውያን ተንቀሳቐስቲ ንሓደ ኣብ ኣኽራን ኣልፕ ካብ ዶብ ኢጣልያ ሽዱሽተ ኪሎሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዝርከብ ስደተኛታት ዝሓልፍሉ ኽሳድ ዓጽዮሞ።

ድሕሪ ቐትሪ 21 ሚያዝያ ኣብቲ ዶብ ድሕሪ ምብጽሖም ሒደት ደቓይቕ ዝዓጸውዎ ተንቀሳቐስቲ፡ እቲ ኽሳድ ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ዝሓልፉሉ ኣገዳሲ መስመር ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ስጕምቲ ነቶም መንግስታት ኤውሮጳ ንስደተኛታት ዶባቶም ክኸፍቱ ዝጠልቡ ተደናገጽቲ ጉጅለታት ኣቘጢዑ። ሰላሳ ኣቢሎም ዝዀኑ ስደተኛታት ዝዓጀቡ ኢጣልያውያንን ፈረንሳውያንን ተንቀሳቐስቲ ናብ መሳገሪ ሞንትዠነቭር ክበጽሑ ኸለዉ ምስ ሓይልታት ድሕነት ተጋጭዮም።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ብዛዕባ እቶም ምስ ስደተኛታት ዝደናገጹ ተንቀሳቐስቲ ኣብ ዝሃቦ “ኣንጻር ሓይልታት ድሕነት ዓመጽ ተፈጺሙ እዩ፡ ናይ ፖሊስ ማኪናውን ዓንያ እያ፡” ኢሉ።

ብዛዕባ እቲ ብጸረ-ስደተኛታት ዝዀኑ ጉጅለታት ዝተኻየደ ምዕጻው ዶባ ክዛረብ ከሎ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዠራር ኮሎም ነቲ ተግባራት “ንዑቕ”ን “ንጹግ”ን ክብል ብምግላጽ፡ ኣተግበርቲ ሕጊ ዝዀኑ ሰብ መዚ ጥራይ ዶባት ክቈጻጸሩ ኸምዝፍቀዶም ገሊጹ።

ኮሎም፡ “ምስዚ ዝተራእየ ዘይቅቡል ተግባራት ህላወ ፖሊስ ኣብቲ ኸባብ ክውስኽ እዩ፡” ኢሉ።

እቶም ዝተጠናኸሩ ሓይልታት ድሕነት “ንምቍጽጻር ዶብ ዝግባእ ምሉእ ኣኽብሮት ከረጋግጹ እዮም፡” ይብል ኮሎም።

ኣቐዲሙ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ብሪስ ሆርተፉ ምስ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ መንስግቲ እታ ሃገር ነቶም ሕሉፋት የማናውያን ተንቀሳቐስቲ ሸለል ክብሎም ከምዘይክእል ገሊጹ።

“ነቲ ዝገበርዎ ፈጺመ ይዅንኖ፡ ግን ከኣ ነቲ ዘመሓልላፎ ዘሎ መልእኽቲ ክንርእዮ ኣለና… ናብ ፈረንሳ ዝመጽእ ዋሕዚ ስደተኛታት ክዓግት ብዘይምኽኣሉ በዚ መንግስቲ ዝጕሃዩ ሰባት ኣለዉ፡” ይብል ሆርተፉ።

ብ22 ሚያዝያ፡ ፓርላማ ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ንዝነበረ ኣቀባብላ ስደተኛታት ዘትርር ሕጊ ኣሕሊፉ። እቲ ሓድሽ ሕጊ ካብ ዘጠቓልሎ፡ ንመስርሕ ምሕታት ዑቕባ ብምቅልጣፍ ንስደት ክቈጻጸር፡ ምጥራዝ ከቀላጥፍ፡ ከምኡ ድማ ናብ ፈረንሳ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምእታው ናይ ዓመት ማእሰርቲ ዝፈርድ እዩ።

ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ስልዘቝጸሩ፡ ሒደት ካብቶም ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ፈረንሳ ዝውሕዙ መንእሰያት እዮም ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ናይ ምርካብ ተስፋ ዘለዎም።

 

TMP – 10/06/2018