ኣብ 2017 ልዕሊ 19,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገራቶም ተመሊሶም
ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒዤር ይጣየሱ ስእሊ፡ ኣይ ኦ ኤም
ኣብ 2017 ልዕሊ 19,000 ስደተኛታት ብ ኣይ ኦ ኤም ካብ ሊብያ ናብ ካልኦት ሃገራት ተጣይሶም።
ነቲ ኣብ ፍርቂ ሕዳር ብ ሲ ኤን ኤን ዝተፈነወ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክሽየጡ ኸለዉ ዘርኢ ስእልታት ካልእ ብዛዕባ ዘይሰብኣዊ ዝተሓሕዛ ኣብ ሊብያ ዝገልጽ ጸብጻባትን ስዒቡ፡ ሃገራት ዜጋታተን ካብ መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ኸጣይሳ ዝገብርኦ ጻዕሪ የቃላጥፋ እየን ዘለዋ። እዚ ብብዙሓት ‘ገሃነም’ ዝብል ስም ዝተዋህቦ ኣተሓሕዛ፡ ስደተኛታት ንዝተናውሐ እዋናት ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ብዘይሕጋዊ መሰል ብውርደት ዝሳቐዩሉ እዩ።
ኣብ ኣይ ኦ ኤም ኣወሃሃዲ ናይቲ ስደተኛታት ብወለንታ ዝምለሱሉ መደብ ዝዀነ ጁምዓ ቢን-ሓሰን፡ እቲ ውድብ 19,370 ስደተኛታት ናብ 27 ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ሃገራት ከምዝመለሰ ንሺንህዋ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2017 ኣብ መንጎ ኣፍሪቃውያንን ኤውሮጳውያንን መራሕቲ ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ ህጹጽ ውጥን ምውጻእ ስደተኛታት እቲ ናይ ምጥያስ ጻዕርታት ኣብዚ ሓድሽ ዓመትውን ይቕጽል ኣሎ።
ከም ክፋል ናይቲ መደብ፡ ናይጀርያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጆፍሪ ኦንያማ ሃገሩ ኣሽሓት ሰባት ብነፈርቲ ኽትመልስ ከምዝጀመረትን እቲ በረራታት ክሳዕ ኩሎም እቶም ክምለሱ ዝደልዩ ሃገሮም ዝበጽሑ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ