ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይውስኽ
ኣብ ክልተ ናይ ምድሓን ህይወት ብጃላቡ ኢጣልያ ኽበጽሑ ዝፍትኑ ዝነበሩ እንተወሓዱ 21 ስደተኛታት ደሃዮም ጠፊኡ ክልተ ድማ ሞይቶም ተረኺቦም።
ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ ዝተባህለ ኣብ ምድሓን ህይወት ዝነጥፍ ትካል፡ እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ ድማ ካብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኰይኖም፡ ኣብ መንጎኦም ሓንቲ ነብሰጾር እትርከበን 3 ኣንስትን 14 መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናትን ዝርከብዎም እዮm።
እቶም ብ6 መጋቢት ኣብ ኢጣልያዊት ወደብ ፖሳሎ ዝበጽሑ ስደተኛታት፡ ፈለማ ሓንቲ ኣብ ጥቓ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነብረት ቆጵሮሳዊት መርከብ ኣድሒና፡ ናብታ ብ ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየን ሓካይም ብዘይዶብን እትካየድ ሰብኣዊት መርከብ ኣኳርዩስ ኣረኪባቶም።
ብመሰረት ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ ሰላሳ ትጥሕል ካብ ዝነበረት ጃልባ ዕንጸይቲ ዝደሓኑ ክዀኑ ኸለዉ፡ ብመሰረት ምስክርነታቶም ሓንቲ ነብሰጾር ሰበይቲ እትርከቦም እንተወሓዱ 21 ዝዀኑ ሰባት እዮም ኣብቲ ሓደጋ ሞይቶም።
“ኣብታ ብጣውላ ዝተሰርሐት ጃልባ 52 ኢና ኔርና። ለይቲ እቶም ሰባት ርዒዶም ናብዝን ናብትን ምስበሉ ግና እታ ጃልባ ኽትትሕል ጀሚራ፡ ሰባት ድማ ናብቲ ማይ ይወድቁ ኔሮም፡” ይብል ሓደ መንእሰይ ጋምብያዊ ስደተኛ ብኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ ምስተሓተተ።
“ኣብታ ጃልባ 5 ኣንስቲ ኔረን፡ ሓንቲ ነብሰጾር እትርከበን 4 ጥሒለን። ኣነ ሓወይ ስኢነ’የ፡” ይብል እቲ ጋምብያዊ።
ብመሰረት ኣፈኛ ኣይ ኦ ኤም ጆዌል ሚልማን፡ ኣብታ ጃልባ 2 ምዉታት ህጻናት ስለዝተረኽቡ ቁጽሪ ምዉታት 23 ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካልእት 42 ስደተኛታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣድሒኖም ናብ ሊብያ ምእንቲ ኸይመልስዎም ናብ ባሕሪ ምስነጠሩ ዝደሓኑ እዮም። ኣብታ ኻልአይቲ ጉጅለ ዝነበሩ 90 ሰባት በቶም ሓለዋ ባሕሪ ናብ ሊብያ ኸምዝተወሰዱ ይገልጹ።
ሓደ መርከብ ኣኳርዩስ ዘድሓነቶ ሰብኣይ፡ ጓል 7 ዓመት ጓል ሓብቱ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ ሊብያ ኣብ እትመልሳ ጃልባ ኸጸዓንዋ ኸለዉ “ኣኮይ ኣይትግደፈኒ፡” ክትብል ከምዝሰምዓ ንሓካይም ብዘይዶም ነጊርዎም።
ከመይ ኢሉ ኸምዘጋጠመ ኣይነፈልጥን ኢና፡ እንተዀነ ግን ስድራቤታት ተፋላልዮም ኣለዉ፡ ንሕና ድማ ከመይ ኢልና ከምነራኽቦም ክንርኢ ንፍትን ኣለና፡” ይብልላፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብ ኢጣልያ ፍላቭዮ ዲ ጃኮሞ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ኤ ኤፍ ፒ።
ብመሰረት ሊብያ ኦብዘርቨር፡ ቤትጽሕፈት ጸጥታ ዝዋራ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሊብያን ቱኒዝያን ካብ ዝዋራ 40 ኪሎሜተር ዝኸውን ርሒቓ ኣብ ጥቓ እትርከብ ደሴት ፈርዋ 97 ሰባት ከምዘድሓኑ ገሊጾም። እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ዝዋራ ተወሲዶም፡ ጸኒሖም ናብ ዝምልከቶም ካላት ተሰጋጊሮም።
ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ እታ ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ አስርሕ ምድሓን ህይወት እናተኻየደ ኸሎ ናብ ኣኳርዩስ ከምዝቐረበት ይገልጽ። ብልዑል ፍጥነት ክትቀርብ ከላ፡ ካብ ኣኳርዩስ ንዝተፈነወላ ጻውዒታት ራድዮ መልሲ ኣይሃበትሉን። እቶም ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣስዒቦም ንስርሒት ምድሓን ናይታ ኣብ ጭንቂ ዝነበረት ጃላባ ተረኪቦሞ ኸምዘለዉ ኣፍሊጦም።
ኣወሃሃህዲት ስርሒታት ምድሓን ህይወት ኤስ ኦ ኤስ መዲተራንየ ኒኮላ ስታላ: “ሓደገኛን ዘይሕጋውን ጠባይ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ እዚ ኣብ ዓለም ቀንዲ ቐታሊ ዝቝጸር ዘሎ ባሕሪ ማዕረ ኽንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ዘጕልሕ እዩ፡” ትብል።
ኣብ ቀዳሞት 9 ሰሙናት 2018 እንተወሓዱ 421 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ