ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝሒ ሞት ስደተኛታት ካብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሳሃራ ኽበዝሕ ከምዝኽእል ይገልጽ

ስእሊ፥ ጆ ፔኒ/ ሮይተርስ- ስደተኛታት ካብ ኒጀር ናብ ሊብያ እናተጓዕዙ

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሳሃራ ዝሞቱ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ቁጽሪ እቶም ገማግም ኤውሮጳ ኽረግጹ ኽፍትኑ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣካያዳኢ ጨንፈር ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝዀነ ሪቻርድ ዳንዚገር፡ ውድቡ ጽጹይ ዝዀነ ቝጽሪ እኳ እንተዘይብሉ፡ ቁጽሪ እቶም ኣብ ምድረአዳ ሳሃራ ዝሞቱ ኽልዕል ምኽኑይ ምዃኑ ገሊጹ።

“ከምቲ ቅድሚ ሕጂውን ዝበልናዮ፡ ዕጽፊ ናይቶም ኣብ መዲተራንያን ዝሞቱ ክኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ጭብጥ መረጋገጺ የብልናን፡ ግምት ጥራይ እዩ ዘሎና። ብርግጽ ኣይንፈልጥ ኢና፡” ይብል ዳንዚገር።

ዳንዚገር ብተወሳኺ ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ኣስገርቲ ብመንግስቲ ከይተሓዙ ይፈርሁ ኸምዘለዉን፡ እዚ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምድረበዳ ኽድርብይዎም ይደፍእ ክህሉ ኸምዝኽእልን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

እቲ ብኒጀር ዝሓልፍ መሰጋገሪ መገዲ ካብቲ ድኻታት ስደተኛታት ዝቕመጡሉ ግሉል ዞባታት ብምዕጻውን ኣስገርቲ ብምእሳርን መንግስቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ዝቐንዐ ብርቱዕ ስጕምቲ ዝወሰደሉ እዋን ዝወሓደ ምንቅስቓስ ስደተኛታት እዩ ዝርአ ዘሎ።

ዳንዚገር ብተወሳኺ ብዛዕባ እቶም ካብ ሊብያ ዝተመልሱ ስደተኛታት ዘዘንትውዎ ኣሰቃቒ ዛንታታት ተዛሪቡ። “ኣብ ሊብያ ኽትተሓዝ ኣይደልን ኢኻ። ኣብ ሊብያ ዘጋጥም ንሰባት ካብ ሞት ንላዕሊ እዩ ዘፍርሆም፡” ኢሉ።