ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ ሽሕ ስደተኛታት ዓጊቱ

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ካብ ርእሰኸተማ ትሪፖሊ ንምዕራብ ኣብ ዘካየደ ጽዕጹዕ ስራሕ፡ መራኽቡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 1,074 ስደተኛታት ከምዝዓገታ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ኣፈኛ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝዀነ ኣዩብ ቓስም፡ ካብታ ካብ ትሪፖሊ 45 ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ዛዊያ ዝተበገሱ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ፡ ልዕሊ 8 ጃላቡ ደው ኣቢሎም።

እቶም ስደተኛታት ካብ ትሕተ ሳሃራ ኣፍሪቃን ካብ ሃገራት ዓረብን ዝመጹ ዀይኖም ካብ ከተማ ሳብራታን ካብተን ጥቕኣ ዝርከብ ተሊልን ዋዲን ዝተባህለ ቦታታትን ከምዝተበገሱ እቲ ኣፈኛ ሓቢሩ።

እተን ጃላቡ ምስተዓገታ፡ እቶም ስድተኛታት ናብቲ ኣብ ዛዊያ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ስደተኛታት ተወሲዶም።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክሳብ 17 መስከረም ኣብ ዝነበረ ሰሙን፡ መብዛሕትኡ ካብተን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝርከባ ዛዊያን ሳብራታን ብዝተበገሱ 12 ዝተፈላለዩ ወፍርታት ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ከምዝዓገተ ገሊጹ።

ካብ ሓምለ ንደሓር ቁጽሪ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝብገሱ ስደተኛታት ኣንቈልቊሉ እኳ እንተዀነ፡ ኣስገርቲ ንባሕሪ ብቑዓት ኣብ ዘይኰናን ብጻዕቂ ሰባት ዝተጨቓጨቓን ጃላቡ ስደተኛታት ናብ ማእከላይ ባሕሪ ምስዳድ ኣየቋረጹን።
ሕብረት ኤውሮጳን ኢጣልያን ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ዝመልኣ ጃላቡ ኽዓግት ዘኽእሎ ሓገዝ ክቕርባ ዝጸንሓ ክዀና ኸለዋ፡ ኢጣልያ ግና ስደተኛታት ሊብያ ቕድሚ ምብጽሖም ክትዓግቶም እያ እትደሊ ዘላ።

ኣብ መንጎ ሊብያን ኢጣልያን ኣብ ሮማ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ማርኮ ሚኒቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ ደቡባዊ ዶባት ሊብያ ንወተሃደራት ሓለዋ ዶባት ዝኸውን መደበር ስንቂ ምድኳንን፡ ንተራ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምቅልጣፍን ዝምልከት ስምምዕ ተበጺሑ እዩ።